የቐ/ወያነ ክ/ከተማ ከተማ ልማት ጽህፈት ቤት

ምልክታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈትና ከተማ ልምዓት ክ/ከተማ ቐ /ወያነ ኣብ ክ /ከተማ ቐ /ወያነ ናይ ቆርቆሮ ሼድ ስራሕቲ ንምስራሕ ናይ ማተርያል : ጉልበትን ማሽነርን ብጠቅላላ ከጫርት ይደሊ:: ስለዚ ኣብዚ ስራሕ ክትሳተፉ ትድሊዩ ደረጃ 10 ዓሰርተ ደቀቅቲ ደ.ኣ.ን.ት ናይ ህንፃ ጠቕላላ ኮንስትራክሽን ተኾናተርቲ ክትጫረቱ ይዕድም:: ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግብኦም ረቆሒታት::

1 ተጫረቲ እቲ ስራሕ ኣብ ዉሽጢ 30 / ሰላሳ / ናይ ካላንደር መዓልታት ከጠናቕቁ ዝኽእሉ::

2 ድልየት ዘለዎም ደኣንት ናይ ኮንስትራክሽን ተጫረቲ ዘይምለስ ብር 30/ ሰላሳ /ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ከተማ ልማዓት ከይዲ ስራሕ ከባብያዊ ልምዓት ቢሮ ቑፅሪ 30 ብርኪ ትካሎም ዝገልፅ ፍቓድን ብምቕራብ ክወስዱ ይኽአሉ::

3 አብቲ ጨረታ ንምስታፍ ሰነድ ጨረታ ዝወሰዱ ማሕበራት በቶም ዝስዕቡ አገባባት ዝወሰድዎ ሰነድ ጨረታ ኣማሊኦም ከእትዉዎ ይግባእ::

ሀ / ተጫረቲ ማሕበራት ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ዋጋ ዝሐዘ ዶኩመንት ሐደ ዋና ክልተ ፎቶኮፒን ሰነዳትን (ጠቕላላ ገፃት) ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ዓሺጎሙን ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብዩ ፖስታ መሊሶም ብምዕሸግን ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊቲ ዓብዩ ፖስታ ብምፅሓፍን ከቕርቡ ይግባእ::

ለ / ተጫረቲ ማሕበራት ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝተትሓሐዙ ስራሕ ዝርዝር ብትኽክል ዋጋ መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ዶኩመንት ፈሪሞምን ሓቲሞም ቅድም ሰዓብ እቲ ደኩመንት እንተይዛቢዑ እቲ ዶክመንት ከምቲ ክሽየጠሎም እንከሎ ዝነበረ ከየጎደሎ ከቅርቡ አለዎም::

4 ተጫረቲ ብርኪ ትካሎም ዝገልፅ ፍቓድን ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቐደን (ሙሉእ ዶክመንቶም ፎቶ ኮፒ) አብቲ ናይ ኦርጅናል ፖስታ ወየ ድማ ንብይኑ ብምዕሻግ ከቅርቡ አለዎም::

5 ተጫረቲ ዝመልእዎ ሰነድ ኣብ ቤት ፅሕፈት ከተማ ልምዓት ክ/ከተማ ቐ /ወያነ ከይዲ ስራሕ ከባቢያዊ ልምዓት ቅድሚ ዕለት 01/ 04 /2007 ዓ/ም ሰዓት 9:30 ድሕሪ ሰዓት ከቕርቡ አለዎም::

6 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ከተማ ልምዓት ክ/ከተማ ቐ /ወያነ ከይዲ ስራሕ ከባቢያዊ ልምዓት ዕለት 01/ 04 /2007 ዓ/ም ሰዓት 10 :00 ድሕሪ ሰዓት ይኽፈት::

7 ቤት ፅሕፈትና ከተማ ልምዓት ክ/ከተማ ቐ /ወያነ ከይዲ ስራሕ ከባቢያዊ ልምዓት እቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ድማ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ ::