ጨረታ ቁፅሪ OB02/17
ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ንብረታት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ሕጋዊ ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም
ሎት ቁፅሪ | ዝርዝር |
---|---|
ሎት 1 | ዝተፈላለዩ ናይ ሰራሕተኛታት ጥቅማ ጥቅሚ /Different types of Uniform & Protective/ |
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሒታት
▪ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግድ ፍቓድ ዘለዎ፣ ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነ፣ ናይ ወርሒ ጥሪ ቫት ሪፓርት ከቅርብ ዝኸእል፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቑፅሪ (ቲን) መቅረባይ ሰርቲፊኬት ዘለዎም
▪ ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኸበሪ ውሕስና ብር 100,000 (ሚኢቲ ሽሕ) ሲፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንክ ጋራንቲ ብዝተኣሸገ ፖስታ ክቐርብ ኣለዎ።
▪ ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ 10% ካብ ጠቅላላ ዋጋ ካብ ዝሰዓሮ ውዕሊ መኸበሪ ከትሕዝ ኣለዎ።
▪ ተጫረቲ መቐለ ከተማ ቀበሌ 07 መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ጥቃ ኣብ ዝርከብ ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ብምቕራብ ብር 200 ብምኸፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ምውሳድ ይኸእል፣
▪ ትካልና ኣብ ጨረታ ዝተገለፀ መጠን ከም ኣድላይነቱ ክሳብ 25% ናይ ምውሳኽን ምቕናስን መሰል ኣለዎ።
▪ ተጫረቲ ዘቕርብዎ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ክልተ ፓስታ ነኒ በይኑ ኦርጂናልን ኮፒን ተባሂሉ ተዓጺጉ ክቐርብ ኣለዎ።
▪ ናይ ጨረታ ሳጥን ካብ _16/07/2017 ዓ.ም ክሳብ 30/07/2017 ዓ.ም ክፍቲ ኮይኑ ይፀንሕ ዕለት 01/08/2017 ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡00 እቲ ጨረታ ይኽፈት።
▪ ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ዋላ ተዘይተረኸቡ ናይ መወዳደሪ ረቋሒ እስካብ ዘማልኡ እቲ ጨረታ ይኸፈት።
▪ ሰዓራይ እቶም ዝሰዓሮም ንብረታት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ኣብ ኤስ ኦ ኤስ ጥቃ ኣብ ዝርከብ ናይ ትካልና ንብረት መዐቀቢ ከቅርብ ኣለዎ።
▪ ድሕሪ እቲ ጨረታ ምኽፋቱ ተጫረቲ ኣብ ዘቕርብዎ መወዳደሪ ሓሳብ ለውጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ከምኡውን ዓርሶም ካብ ጨረታ ምግላልን ኣይከኣልን።
▪ ጨረታ ከዛብዕ ዝፍትን ተጫራታይ(ተወዳዳራይ) ካብ ጨረታ ወፃኢ ይግበር፣ ንቐፃሊ ካብ ዕደጋታት ኢንተርፕራይዝ ንኸይሳተፍ ይግበር፤ ዘትሓዞ መኽበሪ ጨረታ ይውረስ።
▪ ተጫረቲ ዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ቅጥዒ ስም ፣ፊርማ፣ኣድራሻን ስልክ ቁፅሪ ክፀሓፎ ኣለዎ።
▪ ሰዓራይ ቑፅሪ መጠን ዘድልዮም ንብረታት ማለትውን ጫማ፣ሸሚዝ ዝመሳሰሉ ትካል ብዘቕርበሉ መጠን ዓቐን(ሳይዝ) ከቕርብ ኣለዎ።
▪ ናይዚ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ 60 መዓልቲ ይኸውን።
▪ ተጫረቲ ናይቲ ብጨረታ ዝወፀ ንብረት መርአያ/sample/ ኣብ ትካልና ዕደጋ ክፍሊ እናመፁ ክሪኡ ኣለዎም።
▪ ሰዓራይ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት እንተረክብ ብትካልና መርአያ/sample/ ተባሂሉ ብዝተቐመጠ መሰረት ይኸውን።
▪ ቤፅ/ትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ስ.ቁ 0342401921 ምድዋል ይከኣል