የትግራይ ፖሊስ ኮሚሽን

1 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ናይ ወርሒ ጥሪ 2017 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ ክተቅረቡ እትክእሉ

2 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ከምእዉን : ናይ2017 ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለኩምን ብቅዳሕ አታሓሒዝኩም ክተቅርቡ እትክሉ

3 መለለይ ቁፅሪ ከፍልቲ ግብሪ ዘለኩም አታሓሒዝኩም ክተቅርቡ እትክሉ

4 መከበሪ ጨረታ መለለይ መንነት መስርሒ ካርድን ተዛመድቲ ኣቅሑትን 40000 ብር: መድሓኒት 10000 ብር : ንናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቅሑትን ጎማን 10000 ብር : ንናይ መኪና መለዋወጢ 10000 ቅርሺ ብስፒኦ ን ጥረ ገንዘንን  ክትሕዝ ዝክእል

5 ተወዳደርቲ ንዝሰዓርዎ ንብረት ኣብ ተራ ቀፀሪ ሐደ ዝተገለፀ ኣብ ዉሽጢ 40 መዓልቲ ከብ ታራ ቁፅሪ ክልተ እስካብ ኣርባዕተ ዘሎ ድማ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጎዓዚ ናብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ንብረት ክፍሊ ከቅርቡ ዝክእሉ

6 ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ 100 ቅርሺ ከፊሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝመለእዎ ሰነድ ጨረታ ማህተምን ፊርማን ሙሉእ ኣድራሽ ምስ ቁፅሪ ስልኪ ክገልፁ ዝክእሉ ካብ ዕለት 10 /7/2017 ዓም ክሳብ 25/ 7/ 2017 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ብምፍልላይ ምእታዉ ዝክእሉ ኮይኖም እዚ ጨረታ ዕለት 25/ 7/ 2017 ዓም ሰዓት 4:00  ተዓፅዩ ዝክፈተሉ እዋን ኣብቲ ዕለት ንሱ ልክዕ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይከዉን

7 ኣብ ዋጋ ናይ መቅረቢ ዝተመለ ዋጋ ዝተመለ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን30 መዓልቲ ይከዉን

8 ብተወሳኪ እዉን ተወዳደርቲ ንሕድሕድ ንብረት እትመልእዎ ተወሳኪ እሴት ታክስ ታሓዊስዎ ትወዳደሩ ከምዘለኩም ክትፈልጥዎ ይግባእ ተወስኪ እሴት ታክስ የወስክ ወይድማ የቀነስ ሓሳብ ወይድማ መብርሂ ተቀባልነት ዘይብሉ ምካኑ ንሕብር

9 እቲ ኮሚሽን ዝሐሸ መማረፂ እንተኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ 

10 ብተወሳኪ እዉን 25 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ምንካይ ዝከኣል ኮይኑ

11 ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ መምሊእ ዋጋ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ መቐለ ዝወሰድ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ክከዉን አለዎ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0344403100 ወይ ኣብ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ መቐለ ቁፅሪ ክፈሊ 308 ብኣካል መፂእካ ምሕታት ይከኣል