ዓብዮ ዓዲ ማረሚያ ተቋም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ዓ/ዓዲ ቤት ህንፀት ማእኸል ኣብ 2017ዓ/ም በጀት ዓመት ዝተበጀተልና በጀት መሰረት ብምግባር ዝተፈላለዩ ዓይነት ንብረታት ግልጋሎት ዝዉዕ ከም ምምቲ ናይ ብረት፣ ናይ ጣውላ ናይ ብሎኬት ማሽናትን ሃለቅቲ ናይ ዎርክሾፕ መሳርሕታት ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ሮቋሒ

1) በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን ኣብ ናይ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን

2) ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቕርቡን ናይ ከፋሊ ግብሪ መለለይ ቂን ናምበር ምህላዎም መረዳእታ ከቕርቡ ኣለዎም ንሓደሽ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮኑ ነጋዶ ዲክለር ዘይ ገብርሉ ምክንያት ድጋፍ ደብዳቤ ከቅርቡ ኣለዎም ፡፡

3) ተጫረቲ ግብሪ 2016ዓ/ም ዝኸፍሉን ንግዲ ፍቃድ 2017 ዓ/ም ዘሐደሱን ናይ ወርሒ ለካቲት 2017ዓ/ም ዲክለር ዝገበሩን ምኻኖም መረዳእታ ከቕርቡ ኣለዎም፡፡

4) ተጫረቲ ዝጫረትሉ መወዳደሪ ዋጋ ብዘይስርዝ ድልዝ ነፀላ ዋጋንጠቅላላ ዋጋንመሊኦም ብንፁር ሽምን ኣድራሻን ፌርማን ማሁምን ገይሮም ፋይናንሻልን ቴክኒካልን በበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ዓሽጎም ሕድሕድ ሰነድ ኦርጅናልን ኮፒን ተማሊኡ ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን ምም/ርን ዓዓዲ ቤት ህንፀት ማእኸል ንበረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትው ይኽእሉ።

5) ተጫረቲ ጨረታ ካብ ዘሸነፍሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5' ናይ ስራሕ መዓልቲ ሕጋዊ ውዕሊ ኣሲሮም መኽበሪ ዉዕሊ 10% ብጥረ ገንዘብ ወይብባንኪ ዝተራጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉን ተጫረቲ ዘሸነፍዎም ንብረት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናብ ዓ/ዓዲ ቤት ህንፀት ማእኸል ክቕርቡ ዝኽእል

6) ነጋዶ ካብቲ ዝወፀ ዝርዝር ንብረት ወፃኢ ካሊእ መብሪሂ ምቅማጥ ምቅያር ኣይካኣልን

7) ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ /specification/ ዘይምለስ 100.00ብር/ሓደ ሚኢቲ ቅርሺ/ ብምኽፋል – ካብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ዓ/ዓዲ ቤት ህንፀት ማእኸል ምውሳድ ይክእሉ፡

8) ተጫረቲ ዘቕረብዎ ንብረት መርኣይ/ ሳምፕል/ካብ ትካል መፂኦም ኩሪኡን ክወስዱን ይኽእሉ፡፤

9) ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ ዕለት 05/07/2017ዓ/ም ክሳብ 26/07/2017ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ይክፈት፡፡

10) ተጫረቲ ንጨረታ መኽበሪ ዝምለስ 10,000 ብር~ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦቼክ ከትሕዙ ኣለዎም።

11) ተጫረቲ ብዘይ ኣገባብ ጨረታ ንምዝባዕ ንዝፈትኑ ስጉምቲ እንወስድ ምዃና ከምኡ እውን ዘትሐዝዎ ጨረታ መኽበሪ ገንዘብ ዝውረስ ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም።

12) ተጫረቲ ግልፂ ኣብ ዘይኮነሎም ብኣካል መፂኦም ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0942253841 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል።

13) ኣብ እዋን ጨረታ ምርኣይ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ክርከቡ ኣለዎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ብዘይ ምቅራቦም ጨረታ ምኽፋት ምርኣይ / ኣይተኣጓጎልን።

14) ማእኸለና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።

15) ትካልና ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ንብረት ብዕሬት መረጋገፂ አካል/በዓል ሞያ ፅሬቱ ተረጋጊፁ - አታዊ ዝኮነ ንብረት ጥራሕ ሒሳብ ንክፍል ምኳና ክፈልጡ አለዎም:

16) ትካልና ሰዓራይ ምስ ፈለየ ከም ኣድላይነቱ ናይቲ ዝዕደግ ንብረት መጠን ክሳብ 20 % ክስኽን ክቅንስን ይክእልአዩ፡፡