መቐለ ሆስፒታል

ዕለት 14/05/2017 

ቑፅሪ 3275/ዝው-ግጨ/2017

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ሓፈሻዊ መቐለ ሆስፒታል ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ንምግዛእ ድሌት ዘለኩም ሕብረተሰብ ካብዚ ንታሕቲ ብዝተዘርዘሩ ረቋሒ መሰረት ጨረታ ንክትሳተፉ ንዕድም፡-

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሒ

➢ ኣብቲ ጨረታ ምስታፍ እትደሉ ሕብረተሰብ ካብ ዕለት 14/05/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ብር 50.00 /ብር ሓምሳ ቅርሺ እናከፈልኩም ክሳብ 23/05/2017 ዓ/ም ክትወስዱ ትክእሉ

➢ ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ኣድራሻን ብፖእታ ተዓሸጉ ናብ ሓፈሻዊ ሆ/ልና ኣብ ዘዳለዎ ሳንዱቕ ከእትዉ ኣለዎም፤ ተጫረቲ ናብ ትካልና ብኣካል ብምቕራብ ናይቲ ንብረት ኩነታት ካብ ዕለት 20/05/2017 ዓ/ም ክሳብ 22/05/2017 ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ናብ ግቢና ብምምፃእ ብኣካል ምርኣይ ይከኣል ተጫረቲ ንጨረታ መክበሪ CPO 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር የትሕዙ

➢ ጨረታ ሰዓርቲ በቲ ዝሰዓርዎ ዋጋ ኣብ ውሽጢ 5' መዓልቲ ሒሳቦም ከፊሎም ንብረቶም የልዕሊ እንተዘየልዒሎም ንጨረታ መክበሪ ዘትሓዝዎ ገንዘብ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ኮይነ ንካልኣይ ሰዓሪ እቲ ንብረት ይሽየጥ፣

➢ ጨረታ ፖስታ ምስ ተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለውጢ ወይ ምምሕያሽ ብምግባር ካብ እቲ ጨረታ ነብሶም ምግላል ኣይከኣልን፣

➢ ጨረታ ዕለት 23/05/2015 ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8፡50 ንሽዑ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኸፈት

➢ ዝክፈተሉ ቦታ ኣብ ሓፈሻዊ መቐለ ሆ/ል ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብ/ምምሕዳርን ዘዳለዎ ቦታ ይከውን፣

➢ ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ንብንረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ይወስዱ ከምኡ ድማ ብሚዛን ዝሽየጥ እንተሃልዩ ናይ ሚዛን ባዕሎም ይከፍሉ፣

➢ ተጫረቲ ግልፂ ኣብዘይኮነሎም ጨረታ ሰነድ ዝተቐመጠ ነጥብታት መብርሂመመሓየሺ ሕቶ ከቅርቡ ዝክእሉ ቅድሚ ጨረታ ዝክፈተሉ እዋን ምብፅሑ ይኸውን

➢ እዚ ምልክታ ተጫረትን ሓፈሻዊ መቐለ ሆስፕታልን ከምውዕሊ ኮይኑ የገልግል

➢ ኣብ ዝርዝር ዘይተገለፀ : ንብረት ብስምምዕነት ምውሳክን ኣብ ዝርዝር ዝተገለፀ ንብረት ክስረዝ ከምዝክእል፣

➢ ተጫረቲ ዝጫረትዎም ንብረታት ብዓይነት ከፋፊሎም ክወዳደሩ ይክእሉ እዮም በዝሒ ናይ ሓደ ዓይነት ኣቕሓ ግና ከፊልካቐናኒስካ ምውድዳር ኣይክእልን

➢ ሓፈሻዊ ሆስፒታልና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ፣

➢ ካልእ ኣብዚ ምልክታ እዚ ዘይተገለፁ ረቓሒታት ብመምርሒ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን መሰረት ተገዛኢ ዝኸውን ተጫራታይ፡፡