የትግራይ ክልል ጥናትና ምርምር ፖሊሲ ኢንስቲትዩት

ምልክታ ፕሮፎርማ

ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ ናይ ቢሮ ቁልፊ በቲ ዘርፊ ካብ ዝተሰማረዩ ሕጋውያን ፍቓድ ዘለዎም ነጋዶ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደልይ። ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ ትደልዩ መቕረብቲ በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሒ መሰረት ንክትወዳደሩ ንዕድም !

➢ ዕድጊት ቢሮ ቁልፊ ዝተመልከተ ናይ 2017 በጀት ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ፣መቕረባይነት ሰርተፊኬት ፣ምስ ንግዲ ፍቓድኩም ማዕረ ዝኾነ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዪ ቑፅሪ ሰርተፊኬትን ኮፒ ከተሓሕዝ ዝኽእል ከምኡ ድማ ናይ ተወሳኺ እሴት ታክሲ ዝተመዝገብኩምን ብኮፒ ዘተሓሕዝ፤

➢ መወዳደሪ ሰነድ ካብ ቤት ዕዮ ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ ከባቢ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ቴሌቨዥን ወይ መርሲ ፓራዳይዝ ትምህርት ቤት ፊት ንፊት ኣድማስ ዩኒቨርስቲ ውሽጢ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቑፅሪ 4፣

➢ ኣብ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ናይ ትካልኩም ማህተምን ፊርማን - የድሊ፡ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ አለዎ፤

➢ ካብ ዕለት 8/04/2017 ክሳብ ዕለት 10/04/2017 ሰዓት 11፡30 ኣብ ዘሎ ግዜ ሰነድ ምውሳድ ትኽእሉ ምዃንኩም ንገልፅ።

➢ እቲ ፕሮፈርማ ዕለት 10/04/2017 ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ፣ ብመኽፈቲኡ ዕለት ቅድሚ ቐትሪ ሰዓት 5፡00 ኣብ ቤት ዕዮና ይኽፈት፤

➢ እቲ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7 ናይ ስራሕ መዓልታት ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸውን፡፡

➢ እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኾይኑ ስለ ዘገልግል ግቡኦም ኣብ ዘይፍፅሙ ተወዳደርቲ ኣድላይ ስጉምቲ ዝውሰድ ምዃኑ ክትፈልጡ ይግባእ፣

➢ ኣብ ናይ መንግስቲ ዕደጋ ከይወዳደር ብቢሮ ትልምን ፋይናንስን ትግራይ ዝተኣገደ እንተኾይኑ እግዱ  ከይተልዓለሉ ክወዳደር ኣይክእልን፣

➢ እቲ ፕሮፎርማ ናይ መጓዓዚ ዋጋ ዝሓወሰ ይኸውን፤