የትግራይ ክልላዊ መንግስት ከተማ ልማትና ኮንስትራክሽን ቢሮ

ምልክታ ፕሮፎርማ ሕዳር - 2017 ዓ.ም

ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ክልል ትግራይ ኣብ ሓበራዊ ኮምፕሌክስ ህንፃ ግቢ ዙርያ ዝርከብ ሳዕሪን ተኽልታትን ማይ ብቦቲ ብምቕራብ ከስቲ ዝኽእል ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ ፡፡

ዝርዝር መግለፂስፐስፊኬሽንመቀኒበዝሒ ኣብ ሰሙንናይ ሓደ ዋጋ
ብርላን
1ኣብ ኮምፕሌክስ ሓባራዊ ህንፃ ግቢ / ዙርያን ካብ ግቢ ወፃኢ ብቕድሚት መእተዊ በሪ ዝርከብ ተኽልታት ብቦቲ ማይ ብምቕራብ ባዕሉ ዘስቲብሜ 3ብሜ350 ሜ3 ማይ

በዚ መሰረት እዚ ዝስዕብ ረቛሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

• በቲ ዘርፊ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ፣ መቕረባይነት ክተቕርቡ እትኽእሉ፡

• ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቲን ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡

• ተጫረቲ ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ሓበራዊ ህንፃ 1ይ ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ካብ ዕለት 24/3/2017 ብምውሳድ ዋጋ መሊእኹም ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ ዕለት 27/3/2017 ስዓት 4፡00 ናብ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ዝተዳለወ ሳፁን ኣታዊ ክትገብሩ ትኸእሉ፡፡ እቲ ፕሮፎርማ ስዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 4፡30 ይኸፈት፡፡

• እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸውን፣

• ስዓራይ ምዃንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም ኣብ ውሽጢ 3 ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ብምእሳር ማይ ብምቕራብ እቲ ተኸልታት ከስቲ ዝኸእል፡፡

• ዝቐርብ መጠን ማይ ኣብ ሰሙን ወይ ከም ኩነታቱ ክውስኽ ወይ ክቕንስ ይኸእል እዩ፡፡

• ቢሮና እቲ ፕሮፎርማ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-42-40-01-29 ምሕታት ይከኣል፡፡