የትግራይ ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥት ቤቶች ልማት ኤጀንሲ

ምልክታ ፕሮፎርማ ጨረታ

ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ትግራይ ንኣባላትን ንሕጊ ተሃነፀትን ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናይ ሕትመት ስራሕቲ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክገዝእ ካስርሕ ስለዝደሊ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም፦

በዚ መሰረት ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቛሓ

1/ በዚ ስራሕ ዘርፉ ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቓድ ቲን መፍለዪ ቁፅሪ ኮፒ ዝተሓደሰ መቕረባይነት ዝተመዝገብሉ ኮፒ ከቕርቡ አለዎም

2/ ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ሓደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ኣብ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ብምምላእ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ብምጥቃስ ማህተምን ፌርማን ኣማሊኡ ከቅርብ ኣለዎ ዝርዝር ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ትግራይ ከ/ስ//ዕ/ፋይ/ንብ/ ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 6 ምውሳድን ሳምምፕል ምርዓይን ይካኣል እዩ

3/ እዚ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት18/03/2017ዓ/ም ክሳብ 20/03/2017ዓ/ም ኣብ ኣየር ፀኒሑ ዕለት 23/03/2017ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ንጉሆ ይኽፈት ድሕሪ ፕሮፎርማ ምኽፋቱ /ምዕፃው /ዝመፅእ ተቐባልነት የብሉን ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን7 መዓልቲ ይኸውን

4/ ሰዓሪ ዝኾነ ተወዳዳሪ ሰዓሪ ኮይኑ ምስተነገሮ እቲ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10ተ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዚ ንኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ትግራይ ምስ ኣረከበ ካብ ጠቕላላ ዋጋ ዝሰዓሮ ዝኽፈሎ ገንዘብ ልዕሊ 10.000ብር እንተኾይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 2% ዝኸፍል ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ

5/ መስራቤትና ኣብ በዝሒ ንብረት 20% ክዉስኽ ወይ ክቅንስ ዝኽእል ምዃኑ

6/ መስራቤትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ኮይኑ እዚ ፕሮፎርማ ከም ዉዕል ኮይኑ የገልግል

7/ ንተወሳኺ ሓቤሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0919914018 //0914755064 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል //ኮሚሽን ኣብያተህንፀት ትግራይ//

ኣድራሻና፦ መቐለ 09 እንዳተክለሃይማኖት ቤተ-ክርስትያን በሪ ፊትንፊት ኣብቢሮ ሰላምን ፀጥታን ንርከብ