የትግራይ ክልል ምክር ቤት ጽ/ቤት

ምልክታ ዋጋ መቅሪ ፕሮፎርማ/ 06

ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ሞተር ሳይክል ፅገና ናይ ኢድ ዋጋ ን2017 በጀት ዓመት ክሳብ ሰነ 30/2017 ውዕሊ ንምእሳር ስለዝደለየ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ብፕሮፈርማ ኣዋዳዲሩ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ:: በዚ መሰረት እዞም ዝሰዕቡ ረቋሒታት እተማልእ ነጋዲ ክትሳተፉ/ፋ ትኸእሉ/ላ::

መምርሒ ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም::

2. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ በቲ ዘርፍ ዘለዎ::

3. ናይ ግብሪ ከፈላይ ቁፅሪ /TIN/ ዘለኩም::

4. ናይ መቕረባይነት ምሰክር ወረቐት ክቕርብ ዝክእል::

5. ምሰ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኸእሉ ምኳንኩም እናገለፀና መወዳደሪኩም ሸም፣ኣድራሻን፣ ናይ ትካልኩም ማህተምን ፣ብምግባር ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፓሰታ ካብ ዕለት 09/03/2017 ዓ/ም ክሳብ 11/03/2017ዓ/ም ሰዓት4.00 ክትቕርቡ/ክትወዳደሩ ትክእሉ::

6. እቲ ፕሮፎርማ ዕለት 11/03/2017 ዓ/ም ሰዓት4፡30ኣብ ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ቁፅሪ 08

ይከፈት ::

7. ብእቲ ዝቐርብ ኮፒ ፅሬቱ ዝሓለወ ክኸውን አለዎ እንተዘይኾይኑ ግን ተቐባልነት የብሉን::

8. ኣብ ዋጋ መውሃቢ ሰነድ ስርዝ ድልዝን ግልፂን ዘይኾነ ዋጋ ምምላእ ተቐባልነት የብሉን::

9. ካብዚ ዝተሓተተ ንብረት ወፃኢ ብባዕልኻ ዓይነት ቸይርካ ዋጋ ምምላእ ብፍፁም አይፍቀድን::

10. እዚ ሰነድ ጨረታ ፕሮፎርማ እዙይ ኣብ መንጎ ሰዓራይ ትካልን ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ከም ሕጋዊ ውዕሊ ኾይኑ ሰለ ዘግልግል እቲ ንብረት አብ ኢዶም ምህላዉ ኣረጋጊፆም ዋጋ ይምልኡ ::

11. ስለዚ ኣነ በዓል ትካል ነዚ ዝተወዳደርኩሉ ስዓራይ እንተኮይነ ነቲ ቤት ፅሕፈት ብዘይምትእጉጓል ኦርጅናል ዝኮነ ኣቕሓን ብስፈሰፊኬሽን መሰረት ንከቕርብ ሓላፍነት ወሲደ ተስማሚዔ ኣለኩ ::

12. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ጨረታ ፕሮፎረማ ተራእዪ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ መዓልቲ ጅሚሩ ክሳብ 7 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ይኸውን::

13. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፈርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምሰራዝ መሰሉ 

ዝተሓለወ እዪ::

14. ናይ ቤት ዕሕፈትና ቲን ቁፅሪ 0026444876 ከምዝኮነ ንሕብር::

15. እቲ ሰነድ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ቁፅሪ 08 ኣታዊ ትገበር::

16. ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና መፀእካ ምውሳድ ይከኣል::

17. ንተወሳኺ ሓብሬታ ብሰልኪ ቁፅሪ - 03 44-41 65 70/0945828557/0914748486 ሓዱሽ ህንፃ ፊትንፊት ርእሰ ምምሕዳር ክ/ ትግራይ