ድብድቦ ከተማ መዘጋጃ ቤት

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት መዛጋጃ ከተማ ድብድቦ ኣብ 2017 ዓ/ም በጀት ዓመት ናይ 1ይ ፍርቂ ዓመት ዝ/ዩ ዓይነት ቐወምቲን ሃለቅትን ማለት እውን ፈርኒቸር ኣቅሑ ፡ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑ ከምኡ እውን ሃለቅቲ ናይ ፅሕፈት መሳረሕን ኣቁሑት ፅሬትን ህንፃ መሳርሕን ኣወዳዲሩ ክገዝእ ሰለ ዝደለየ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1/ በዚ መሰረት ብቲ ዝርፊ ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩምን

2/ ካብ ትልም ፋይናንስን ዝትሓዳሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቐት ዘለኩም ቫት ዝተመዝገብኩምን

3/ መለለዪ ቲን ቁፅሪ/ TIN NO ዘለኩም

4/ ናይ ወርሒሓምለን ነሓሰን ኣታዊኩም ድክሌር ዝገበርኩም ንክትወዳደሩ እንትንዕድም፡-

5/ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ንሕድ ሕዱ 500 ብር ብምክፋል ካብ ቤት መጋጃ ከድብድቦ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ምውሳድ ይከኣል፡፡

6/ ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መኽበሪ ጨረታ ገድቦንድ / ንሕድሕዶም መክበሪ ጨረታ ማለት እውን ናይ ፅሕፈት መሳረሒ 5000 ፣ ናይ ፈርኒቸር ኣቁሑ 8000 ፣ ናይ ቢሮ ሃለቅቲ ኣቁሑት 5000 ብር ናይ ኤሌክትሮኒክስ ድማ 5000 - ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል ፡፡

7/ ጨረታ ኣሸናፊ ምስ ተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕል ዝኣስር፡፡

8/ እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ መስራቤትና ኣታዊ ክገብር ዝክእል ::

9/ ናይ ጨረታ ሰናድ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐለ ዕለት 18/02/2017 ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 03/03/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ ቤት መዛጋጃ ከድብድቦ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ኣብ ውሽጢ 15 ተከታታሊ መዓልቲ ምውሳድ ይከኣል ::

10/ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ኦርጂናል ምስ 2ተ ኮፒ

ናብ ናይ ሳንዱቅ ጨረታ ክተእትዉ እትክእሉን ስርዝ ድልዝ ተቀባልነት የብሉን ::

11/ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 03/03/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ዝክፈተሉ ድማ በቲ ዕለት ድሕሪ 30 ደቂቃ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ እንትከውን ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ወይ ብመምርሒ መሰረት ይኽፈት ፣

12/ ተጫረቲ ኣብ ዘቕረብዎ መወዳደሪ ሓሳብ ሽምን፣ ክታም፡ ኣድራሻን፣ ከስፍሩ ኣለዎም

13/ ተጫረቲ ኣብ ምክፋት ጨረታ እንተዘይተረኪቦም በቲ ዕለትን ሰዓትን ሕጋውነቱ ሓልዩ ይኸፈት ፡፡

14/ እዚ ዋጋ እዚ ን60 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

NE፡- መስራቤትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 09 24 15 62 52 ወይ ድማ 09 25 96 63 40 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል ፡፡