የትግራይ ክልል ዋና ኦዲተር ጽህፈት ቤት

ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ፃውዒት/ቁ-05/

ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቕሓ መቕረብቲ

ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ንብረት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቕሓ ፎርድ ዝዓይነታ መኪና ክገዝእ ስለዝደሊ ሕጋውያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም።

ዓይነት ዝግዛእ ንብረትዝርዝር መግለፂመዕተበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠቅላላ ዋጋመብርሂ
1ቦልጃይንት ላዕለዋይ ታሕተዋይንናይ ፎርድ ሞዴል 2015ቁፅሪ01ኦርጅናል
2ራኢን ሙሉእ ምስ ቴስቲንኡሴት01
3ብራቮ በክላ ኣፕር ሰርቁፅሪ08
4ሲል ሻፍት ናይ መሪቁፅሪ01
5ናይ ሜሪ በተዝተዕሪ02
6ናይ ክሊፕሮ ፒስተን ሓመድ መከላኸሊ"ቁፅሪ04
7ዊል ኣሰይ ስትሪንግ45100-okp-30-00 ኡን ኣባዱላቁፅሪ01

1. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ቦታ፤ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን

2. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ግዜ፤ ክሳብ ዕለት 6/02/2017 ዓ/ም ስዓት 3:00 ተዓፅዩ ስዓት 3:30 ቅ/ስዓት ይኸፈት

3.ተወዳዳራይ ስዓራይ ምዃኑ ናይ ዕደጋ ትእዛዝ ምስተውሃቦ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ከቕርብ

ግቡእ ኣለዎ።

4. ተወዳዳሪ ኣግባብነት ዘለዎ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ናይ 2016/17 ዓ/ም ፤ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ /TIN No / ከምኡ ውን ዝተሓደሰ መቕረባይነት ብቕዳሕ ከተሓሕዝ ዝኸእል ።

5. ተወዳደርቲ ዝመልኡዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ብናይዚ ቤት ፅሕፈትና ዝወፀ ሰነድ ጨረታ ክኸውን ኣለዎ። ብናይ ባዕሎም ሰነድ እንተመሊኦም ግን ምስቲ ናይ ቤት ፅሕፈትና ዝወፀ ሰነድ ፕሮፎርማ ሓደ

ዓይነት ክኸውን ኣለዎ።

6. እዚ ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ምልክታን ብተወዳደርቲ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ዋጋ ዝሓዘ ሰነድን ኣብ ሞንጎ ገዛእን ሸያጥን ከም ውዕሊ ኮይኑ ይሰርሕ።

7. ስዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ እቲ ንብረት ኣታዊ ብዘይ ምግባሩ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ዝበፅሕ ጉድኣት ብምርኣይ ቤት ፅሕፈት ብሕጊ ክሓትት ይኽእል እዩ።

8. ተወዳዳራይ ኣብ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ናይ ምግባር ግቡእ ይህልዎ። 9.እቲ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈትና ምስኣተወ ኣብ ውሽጢ 5' መዓልቲ ክፍሊት ክፍፀመሉ ፍቓደኛ

ዝኾነ ።

10. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማራፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።