በትግራይ ክልል ገቢዎችና ጉምሩክ ባለስልጣን

ዕለት 23/01/2017 ዓ.ም. 

ቁፅሪ ፕሮፎርማ 01/2017 ዓ.ም.

ናይ ዘገልገሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ንብረት ፕሮፎርማ መቅረቢ

ዋንነቶም ናይ ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ዝኮኑ ዝተፈላለዩ ዓይነት ንብረታት ወዳዲሩ ክሽይጥ ስለዝደለየ ብዝሐተትናዮ መሰረት ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ዋግኡ ብፕሮፎርማ ጠቂስኩም ክትወዳደሩ ንዕድም::

1. ተወዳደርቲ ፕሮፎርማ ካብ ዝተዓደለሉ ዕለት 23/01/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 27/01/2017 ዓ.ም ክሳብ ስዓት 6 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘሎ መዓልቲ መወዳደሪ ፕሮፎርማ መሊእኩም ክተቅርቡ በዚ ዕለት ስዓት 8.00 ድሕሪ ቀትሪ ናይ ተወዳደርቲ ፖስታ ተራእዩ ስዓራይ ይፍለጥ::

2. ፕሮፎርማ መክበሪ CPO ብር 3000.00 ንዕለት 27/01/2017 ስዓት 8.00 ከትሕዝ ዝክእል

3. ተወዳዳሪ እቲ ዘሸነፉዎ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 5ተ መዓልቲ ካብዘሸነፎ ዋጋ 10% ዉሕስነት ብጥረ ገንዘብ ወይ ብዝተረጋገፀ ሕጋዊ CPO ኣትሒዙ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

4. እዚ ፕሮፎርማ እዙይ ኣብ መንጎ ስዓራይ ትካልን በዓል መዚ ልምዓት እቶት ከምሕጋዊ ዉዕሊ ኮይኑ የገልግል::ካብ ዕለት 23/01/2017 ክሳብ ዕለት 27/01/2017 ኣብ ስራሕ ስዓት ኣብ ቢሮና ንብረት ክፍሊ ብምቅራብ ክሽየጥ ዝቀረበ ንብረት ምርኣይ ይካል

5. ተወዳደርቲ ናይ ንግዲ ፍቃድ ቲን ሰርትፍኬት /Tin/ናይ መቅረባይን ሰርትፍኬት ፎቶ ኮፒ ክተቅርቡ ንሕብር

6. ዘሸነፎ ንብረት ኩሉ ዉዕሊ ኣሲሩ ናይ ጠቅላላ ዋጋ ከፊሉ ኣብ 5 መዓልቲ ዉሽጢ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ክወስድ ዝክእል

7. ዘሸነፎም ንብረታት ኩሎም ብእዋኑ እንተዘይወሲዱ ዘትሐዞ ገንዘብ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ብምግባር 2ይ ዝወፀ ስዓራይ ይከዉን

8. ተወዳደርቲ በቢ ንግዲ ዘርፍኩም ኣብ ዘዝምልከተኩም ጥራሕ ትወዳደሩ

9. ፈርንቸር ተወዳዳሪ ኣብ ሕድሕድ ንብረት ናይ ሓደ ዋጋ የቀምጥ ተደሚሩ ስዓራይ ይኮን

10. መካይን ስፔር ፓርት ተወዳዳሪ ናይ ሓደ ኪሎ ዋጋ የቀምጥ ብኮሚቴ ተገሚቱ ዝተቀመጠ ጠቅላላ በዝሒ ኪሎ ተራቢሑ ስዓራይ እንትኮን ናይ መኪና ጎማን ናይ መኪና ባትርን ድማ ናይ ሕድሕድ ዋጋ ብምቅማጥ ተደሚሩ ስዓራይ ይከዉን

11. ኤሌክትሮኒክስ ተወዳዳሪ ኣብ ሕድሕድ ንብረት ናይ ሓደ ዋጋ የቀምጥ ተደሚሩ ይስዕር

12. ዕ/መሳርሒ ኣብ ሕድሕድ ንብረት ናይ ሓደ ዋጋ የቀምጥ ተደሚሩ ስዓራይ ይኮን

13. ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።