ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈት ዝውዕል ፕላስቲክ ጠረቤዛን ፕላስቲክ ወንበርን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም
ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡
1. ናይ 2016 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣
2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣
3. ቫት ወይ IOI ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ሰነ ወርሒ 2016 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣
4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2016 ዓ.ም፣
5. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ(CPO) ብር3,000.00 ከቕርቡ ዝኽእሉ፣
6. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
7. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳር እቲ ዝድለ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ኣታዊ ክገብር ዝኽእል፣
8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡
9. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣
10. ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምንካይን ምውሳክን ይክእል፣
11. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ(ጥቓ ቤተ መንግስቲ) ቢሮ ቑፅሪ 430 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር100.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣
12. ማ.ል.ት እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
13. እዚ ጨረታ ዕለት 22/12/2016 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ኩሎም ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት፡፡