ኤጀንሲ ድጅታል ክልል ትግራይ

ቑፅሪ: ፕሮ- 14/10/16

ዕለት:10/10/2016 ዓ.ም

ምልክታ ፕሮፎርማ ጨረታቑፅሪ 10/16

ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ ዝርዝር ተደላይ ንብረትን ነጋዶ ዝመልእዎ መወዳደረ ነፀላ ዋጋን ዘርኢ ሰደቓ ነዚ ቅጥዒ ዝመለአ ነጋዳይ 

ኣብ ኤጀንሲ ድጅታል ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ንኤጀንስና ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌትሮኒክስ መለዋወጢ ኣቑሑት ብፕሮፈርማ ጨረታ ኣዋዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ። ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትሳተፉ/ፋ ትኽእሉ/ላ።

መምርሒ ተወዳደርቲ/ተጫረቲ/

➢ በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ግብሪ ከፈላይ ቁፅሪ/TIN/ ዘለዎ ምኻኑ መረዳእታ ዘቕርብ ፣ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት መረዳእታ ከቕርብ ዝክእል።

➢ ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ካብ ዝተገለፀልኩም እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ብናይ ባዕልኹም ትራንስፖርት ናብ ኤጀንስና ክተቕርቡ ትኽእሉ ነጋዶ ንግዲ ፍቓድኹም፣ ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁዕርኹምን ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐትኩምን ኮፒ ምስ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኳንኩም እናገለፅና መወዳደሪኹም ሽምን ፊርማን፣ ኣድራሻን ናይ ትካልኹም ማህተምን ብምግባር ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት

10/10/2016 ዓ/ም ክሳብ 12/10/2016 ዓ/ም ሰዓት 9፡30 ድ/ሰዓት ክተቕርቡ/ክትወዳደሩ ትኽእሉ።

➢ እቲ ፕሮፈርማ ዕለት 12/10/2016 ዓ/ም ሰዓት1000ድ/ሰዓት ኣብ ኤጀንሲ ድጅታል ክልል ትግራይ ደጀን ቢሮ ቁፅሪ 1- 06 ይኽፈት፡፡

➢ ሰዓርቲ እተቅርብዎ ንብረት ቅቡል ዝግበር ኤጀንስና ብዝወከሎም ሰብ ሞያታት ተፈትሹ ብዝተጠየቐ ስፔስፍኬሽን ምዃኑ ምስ ተረጋገፀ እዩ። ካብቲ ዝተሓተተ ስፔሲፊኬሽን ወፃኢ ካሊእ ዓይነት ቀይርካ ዝምላእ ዋጋን ስርዝ ድልዝ ዘለዎን ተቐባልነት የብሉን፡፡

➢ ኣብ ስቶር ኣቑሑት ዘይብሉ ተወዳዲሩ ሰዓራይ ዝኾነ ትካል ኣብ ስራሕና ንዝበፅሕ ምትእጉጓል ተጠያቂ ይኸውን፣

➢ እዚ ሰነድ ጨረታ ፕሮፈርማ እዙይ ኣብ መንጎ ሰዓራይ ትካልን ኤጀንሲ ድጅታል ክልል ትግራይን ከም ሕጋዊ ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግል ክትፈልጡ ይግባእ።

➢ ኤጀንስና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፈርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

➢ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ተራእዩ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 7 ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን፡፡

ዝርዝር ተደላይ ንብረትን ነጋዶ ዝመልእዎ መወዳደረ ነፀላ ዋጋን ዘርኢ ሰደቓ

ተቁ ዓይነት ንብረትእስፐስፊኬሽንመለክበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠ/ዋጋ
ብርሳንብርሳን
1Internal Hard Disk for peITB SATA for desktoppcs1
2Internal Hard Disk for pe500GB SATA for desktoppcs2
3External SSD disk2TBpcs2
4External SSD diskITBpcs2