ዘ ዳውተርስ ቻሪቲይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊረት ቤተ-ክርስትያን ሰበኻ ዓዲግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕ/ሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና ፣ኣብ ልምዓትን ካልኦትን ማሕበራዊ ፀገማት ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ:: ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ቢሮ ትምህርቲ ብሓባር ብምካን ኣብ ወረዳታት ኣፅቢ ወንበርታ: ክልተ-ኣውላዕሎ :ሓውዜንን : ገርዓልታ: ኣበርገለን ሕንጣሎ ከምኡ እውን ኣብ ዋጅራት ን 58,925 ተምሃሮ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ክምገቡ እናገበረ ዝርከብ ትካል ኮይኑ ኣብ ወርሒ ጉምበት ድማ ኣብዝተፈላለያ ወረዳታት ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ናይ ተምሃሮ ምግብና ክሕቆፋ ብምግባር በዝሒ ተመገብቲ ተምሃሮ ናብ 114,050 ንምዕባይ ምድላዋቱ እናዛዘመ ይርከብ::

በዚ መሰረት ድማ ትካልና ነቲ ምግብና ግልጋሎት ዝውዕል 18,723 ሊትሮ ፈሳሲ ዘይቲ ብበዓል ሓሙሽተ  ሊትሮ ዝተዓሸገ ብትካልና ብዝተዳለወ ሳምፕል መሰረት በዚ ዘርፊ ፍቃድ ካብ ዘለዎም መቅረብቲ ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ክተቕርቡ እትደልዩ እዞም ዝስዕቡ ሮቃሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ክትወዳደሩ ንዕድም::

1. በዚ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ

2. ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪ /TIN/ ከቅርብ ዝክእል

3. ናይ VAT/TOT ተመዝጋቢ ዝኮነ

4. ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ 1ይ ደብሪ ብዘይ ክፍሊት ክወስዱ ዝኽእሉ።

5. ተጫረቲ ጨረታ መክበሪ ብሽም ትካልና ብር 30000(ሰላሳ ሽሕ ብር)ብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ጥራሕ ጨረታ ቅድሚ ምዕፃዉ ናብ ጨረታ ሳንዱቅ ከእቱ ዝክእል

6. ብመቅረባይ ዝምላእ ዋጋ ትካል ካብ ዘቅረቦ ናይ ዋጋ መውሃቢ ቅጥዒ ወፃኢ ምቅራብ ኣይፍቀድን

7. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብ መምርሒ ተጫረቲ መሰረት ተማሊኡ ብፖስታ ተዓሽጉ ናይቲ ትካል ሽም: ኣድራሻ: ማህተምን ፌርማን ገይሮም ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ዕለት28/08/2016 ዓ. ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት06/09/2016 ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ክትገብሩ ይግባእ።

8. እቲ ጨረታ ዕለት 06/09/2016 ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ብኣቆፃፅራ ግእዝ ተዓፅዩ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9፡00 ብኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ማሕበር ደናህግል ደቂ ፈቅሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ

ይክፈት፡፡

9. ኣብ እዋን ምኽፋት ጨረታ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም እንተሃለው ይምረፅ፡፡

10 ጨረታ ሰዓራይ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዐዓልቲ ውዕሊ መክበሪ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10% ፣ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ CPO ብምትሓዝ ውዕሊ ክኣስር ዝክእልን ነቲ ዝሰዓሮ ኣቅሓ ኣብ ውሽጢ 5(ሓሙሽተ) ተከታታሊ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ መቀለ ብዝተደለየ ፅርየትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል

11 ዝቀርብ ዘይቲ Expier date እንተነኣሰ ድሕሪ 6 ወረሒ ዝኮነ

12. ሰዓራይ ውዕሊ ክኣስር እንተዘይኪኢሉ ዘትሓዞ ጨረታ መክበሪ ናብ ትካልና ኣታዊ ዝግበር

ሙካኑ ሩዱእ ዝገብር

13. ትካልና መጠን ዝዕደግ ዘይቲ ከምኣድላይነቱ ክውሰክ ወይ ክቅንስ ዝክእል ሙካኑ ርዱእ ዝገብረ

14. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።