ምልክታ ጨረታ ዕድጊት ናዉቲ ቤ/ፅ
ዋኒኑ፣ደረጅኡ ዝሓለወ ዝተፈላለየ ናዉቲ ቤ/ፅ ብጨረታ ምዕዳግ ይምልከት
ትካል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ ማእኸል መቐለ ደረጅኡ ዝሓለወ ዝተፈላለየ መሳርሒ ቤ/ፅ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ንቶም ኣብ ታሕቲ ዝቅመጡ ዝርዝር መዐቀንታትን መስፈርታት እተማልኡ ኣብዚ ጨረታ ንምስታፍ ድልየት ዘለኩም ብምዕዳም ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ትካላት ይኹኑ ውልቀ ሰባት እዞም ዝስዕቡ መስፈርቲ ዘማልኡ ክኾኑ ይግባእ።
1-ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ ክኾን ኣለዎ
2-ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቁፅሪ ዘቅርብ ክኾን ይግባእ
3-ናይ ከፋሊ ተወሳኺ እሴት ታክሲ መረዳእታ ዘቅርብ ክኾን ኣለዎ
4-ትሕጃ ብስፒኦ ካብ ዘእትዎ ዋጋ 5% ዘይምለስ ከትሕዝ ኣለዎ
5-ዝዕደግ ወንበርጠረጴዛ ሸልፍ ኣብ ጨረታ ዝወፀ ብኣካል ክሪኢዎ ይግባእ
ዝዕደግ ወንበር በዚ ዝስዕብ መንገዲ ቀሪቡ ኣሎ
ተ.ቁ | ዝርዝር ዝዕደግ ዓይነት ንብረት | መዐቀኒ | በዝሒ | ንፅል ዋጋ | ድምር ዋጋ | ||
---|---|---|---|---|---|---|---|
ብር | ሳ | ብር | ሳ | ||||
1 | ደረጅኡ ዝሓለወ ወንበር ናይ ኣደራሽ ብሳንፕል መሰረት | ንፅል | 43 | ||||
2> | ማናጀርያል ወንበር ብሳንፕል መሰረት | ንፅል | 1 | ||||
3 | ሰክሪታሪ ወንበር ብሳንፕል መሰረት | ንፅል | 3 | ||||
4> | ኮምፒዩተር ቴብል ብሳንፕል መሰረት | ንፅል | 3 | ||||
5 | ናይ ፋይል መደርደሪ ሸልፍ 2ተ ተኸፋቲ ኣልሚንየም ሙሉእ መስተዋት 2M *80CM*40CM | ንፅል | 2 |
* ትካልና እዚ ጨረታ ሙሉእ ንሙሉእ ይኹን ብኸፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
* ካብ ትካል ዘቅረቦ መማረፂ ወፃእ ዝቀርብ ዓይነት ንብረት ተቀባልነት የብሉን
* ኣብ ዝምላእ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ተቀባልነት የብሉን
* ሰዓረ ትካል ጨረታ ካብ ዝተኻየደሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ኣታዊ ክገብር ኣለዎ
ኣድራሻ
* ትሕቲ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስትያን
* ካብ ዕለት 04/05/2016 ዓ/ም ጀሚሩ-08/05/2016 ዓ/ም ጨረታ ዝካየደሉ ዕለት ዕለት 09/05/2016 ስዓት 3ተ ናይ ረፋድ ይካየድ