1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩምን በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ቅዳሕ ምስ ዋና ክተቅርቡ እትክእሉ
2 ናይ ነጋዶ መለለይ ቁፅሪ መላት እዉን ቲን ናምበር ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርተፈኪትን ቅዳሕ ምስ ዋና ክተቅርቡ እትክእሉ
3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብክምሉ መረዳእታን እዋናዊ ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ ቅዳሕ ምስ ዋና ክተቅርቡ እትክእሉ
4 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ 21 ጥቅምቲ 2016 ዓም ጀሚሩ ክሰብ 5 ሕዳር 2016 ዓም ሰዓት 11:30 ዘይምለስ 100 ቅርሺ እናዳከፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲግራት ምዉሳድ ትክእሉ
4 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈት 15000 ቅርሺ ንፅሬት ኣቅሑት 5000 ቅርሺ ብባንኪዝ ተረጋገፀ ስፒኦ ወይ እዉን ብጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ክተትሕዙ ይግባእ
5 ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲግራት ዝርከብ ኮይኑ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ እዋን ጀሚሩ ንተጫረቲ ክፍቲ ይከዉን
6 ሳንዱቅ ጨረታ 6 ሕዳር 2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
7 እቲ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ድማ ፊርማ በዓል ዋና ክዓርፎ ይግባእ
8 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ እተማልእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ክከዉን ይግባእ
9 ኣበቲ ዝተመለአ ዋጋ ብዛዕባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘይተገለፀ ተኮይኑ እቲ ዝተመለአ ወጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር
10 ኣብ ሕድሕድ ዝርዝር እቲ ሰነድ ማህተምን ፊርማን ናይ ባዕል ዋና ክዓርፎ ይግባእ
11ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረከቢ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፈል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እየ
ንዝበለፀ ሐበሬታ ብኣካል ናብ ቤት ፅሕፈትና ብምምፃእ ወይ ድማ 0914123546 0941336816 ደዊልካ ምሕታት ይከአል