ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ

በዚ መሰረት እዞም ስዒቦም ዘተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ መምርሒ ተጫረቲ እተኽብሩን ክትጫረቱ ብግልፂ ይዕድም

1 በቲ መስመር ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ/ዋን ናይ 2008 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰ/ትን

2 ተጫረቲ ዘትሐዝዎ ምኽበሪ ጨረታ ብር 2000.00 /ክልተ ሽሕ/ ሕጋዊ ብዘኮነ ንግዲ ባንክ ዝተረጋገፀ  CPO ወይም ቼክ ወይም ጥረ ገንዘብ ዝኽእል /እትክእል

3 ንዘተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 30.00 /ሰላሳ ብር/ ብምኽፋል አብ ስራሕ ሰዓት በቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ካብ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበዊ ጉዳይን ክልል ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ -263 ትወስዱ ትኽእሉ

4 ንዝተቅርብዎ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ብዘተቀመጠ ዝርዝር ዋጋ ብምምላእ ብሽምዒ ብዝትዓሸገ ፖስታ ብምድላዉ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዝተለጠፈሉ ዕለት 28/03/2008 ዓ/ም ክሳብ 12/ 04/2008 ዓ/ም አብ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ክተእትዉ ትኽእሉ

5 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 12/4/2008 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ምስተዓሸገ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ አብቲ ዕለት ሰዓት 9:30 አብ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ቢሮ ቑፅሪ 245 ይኸፈት

6 ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ረቕሓ /ስፐስፊከሽን/ መሰረት ኾይኑ ኦርጅናልን ኮፒን ብምንፃር ብክልተ ፖስታ ተዳልዩ ከቅርብ ይግባእ

7 ናይ ጨረታ ዋጋ እንተነኣሰ 45 ማዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ኮይኑ ተጫረቲ በቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ክሳብ 6ተ ወርሒ ተወሳኪ ትእዛዝ ናይ ምርካብ ዕድል አለዎም እዩ

8 እቲ ንብረት ንክንደይ እዋን ዉሕስና ጋራንቲ ከምዝወሃቦ ክገልፅ ይግባእ

9 አድራሻና ክፍላ ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይነንስ ዝርከብ ኮምፕልክስ ናይ ሓባር ህንፃ: ህንፃ 1/Bock 1/  አብ መሬት ቢሮ ቁፅሪ 245 እዩ

10 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ስልኪ ቁፅሪ 0344417637