ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፈቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን ኣብ ናይ መቅረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ዝኽፋልሉ ምስክር ወረቐት ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል::

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ ምድብ 3000 (ሰለስተ ሽሕ) ብማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ ሽም CPO ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ::

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክሲ(VAT) ተመዝገብቲነ ናይ ወርሒ መስከረም 2012 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኽቕርቡ አለዎም::

4 እቲ ጨረታ ብክልተ አንቨሎፕ ተዓሺጉ ክቐርብ ዘለዎ እንትኸዉን ዋንኡ ኦርጅናል ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሐተምን ክህልዎ ይግባእ ::ናይ ንግዲ ፈቃድ: ቲን ዝተመዝገብሉ :ቃለ መሓላ ናይ ኣቕራባይ ምዝገባ ምስክር ወረቐተ: CPO ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጅናል ዶክመንት ከተሓሓዝ አለዎ::

5 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 50 / ሓምሳ ብር/ ከፊሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ ከምኡዉን ተጫረቲ ብዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፊርማ ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም::

6 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቅድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪ ቑፅሪ 03 42-482209 ክሓቱ ይክእሉ::

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 18/03/2012 ዓ/ም እስካብ 06/04/2012 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 06/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ አብዚ ዕለት እዙይ ማለት ዉን 06/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ አብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ሑመራ ቢሮ ቁፅሪ 09 ይከፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ አብ ዝኽፈተሉ ጊዜ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይትኣጎጉልን ::

8 ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ::

ኣድራሻ- ጉና ነዳዲ መዐደሊ ፊት ለፊት