ኮሌጀ ቅድስት ማርያም ዉቕሮ

በዚ መሰረት ዝምልከቶም መቕረብቲ በዚ ዝስዕብ ናይ ጨረታ ረቆሒታት መሰረት ክወዳደሩ ንዕድም

1 ናይ ቫት ተመዝገብቲ ምኻኖም መረዳእታ ዘቅርቡን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዓ/ም ናይ ቫት ዲክላራሴን ዝገበርሉ መረዳእታ ዘቕርቡ

2 ናይ 2008 ዓ/ም ንግድን ሞያን ፍቃድን ዘሐደሱን ምኻኖም መረዳእታ ዘቕርቡ

3 ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርተፊኬት CPO 3000 /ሰለስተ ሺሕ ብር/ ቅድሚ ጨረታ ዘቕርቡ

4 ብቢሮ ኤጀንሲ ልምዓት እቶት ናይ ግብሪ መለለይ ካርዲ ቲን ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ ዘቕረቡን አብ መቕረባይ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምኻኖም ምስክር ወረቐት ዘቕርቡ

5 ናይ ጨረታ ሰነድ ንሕድ ሕድ ዘይመለስ ብር 20 ከፊሎም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 10/ 03/2008 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 24/03/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ አብዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ዓዲጎም ነፀላን ጠቕላላ ዋጋን መሊኦም ክቢ ማህተም ፊርማን ሽም ድርጅት ዓሪፈዎ ከምኡዉን ካብ ተቁ 1 ክሳብ 4 ዘለዉ መረዳእታታትን ሐዊሱ ብሽምዒያ ብዝተዓሸገ ፐስታ ናብ ዝተደለወ ጨረታ ሳንዱቅ ዕለት 24/03/2008 ዓም ክሳብ ሰዓት 4:00 አብ ዘሎ ግዜ አታዊ ይገብሩ

6 ጨረታ ምስተኸፈተ ተጫረቲ አብ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለዉጢ ምምሕያሽ ምግባርን ካብ ጨረታ ነብሶም ምግላልን አይኽእሉን

7 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 24/03/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓሺጉ ሰዓት 4:30 ዝኽፈት ኮይኑ ተወዳደረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንተሃለዩ ይምረፅ

8 ተጫረቲ አብ ጨረታ ሰነድ ዝተቐመጠ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይነሎም መብርሂ ወይ መማሐየሺ ሕቶ ከቕርብ ዝኽእል ጨረታ ዝኽፈተሉ እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይኸዉን

9 ጨረታ ተዓዋቲ ዝኮነ አብ ዉሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ቐሪቡ ዉዕሊ ይአስር እንተዘይአሲሩ ግና ንጨረታ ምኽበሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካልና አታዊ ይኸዉን

10 እቲ ትካል ጨረታ ምስትኸፈተ ከምአድላይነቱ ናይቲ ዝግዛእ አቁሑት መጠን ክሳብ 20% ክዉስክን ክቅንስን ይኽእል

11 ዝሸነፍዊ ንብረት መቅረብቲ እቲ ንብረት ፅሬቱ ብበዓል ሞያ ምስተረጋገፀ ብናይ ባዕሎም ናይ ትራንስፖርት ወፃኢ ናብ ዉቅሮ ቅ/ማርያም ኮሌጅ አታዊ ይገብሩ

12 እቲ ትካል እዚ ጨረታ ዘየዋፅኦ ተኾይኑ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ

13 አብ ላዕሊ ተጫረቲ ተዲሪብካ ምእታዉ አይካኣልን

14 ስርዝ ድልዝ አይፈቀድን

15 እቲ ንብረት ትኽኽለኛ ጋልባናይዝድ ምኻኑ መረዳእታ ክቅርብ ዝክእል

16 እቲ አሸናፊ ኮይኑ ዝተረከበ ተጫረቲ ንሐደ ዓመት ዋስትና ክህብ ዝክእል

17 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344430183 ደዊሎም ክረክቡና ይኽእሉ