ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወረዳ ጣንቋ አበርገለ

1  ናይ 2011/12 ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ፣ ቲን ናምበር ፣ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ፣ቫት ተመዝገብቲ ንዝኾኑ ብመምርሒ መሰረት ቫት ዲክላሬሽን ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

2 ናይ ሕድሕድ ዶክሜንት ኦርጂናልን ኮፒን ብዝተፈላለዩ ፖስታታት ተዓሺጉ ከቅርብ ዝኸእል፤

3 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልከታ ካብ ዝተቃልሐሉ ዕለት 29/01/2012 ዓ/ም ንተኸታታሊ 15 መዓልቲ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ንሕድሕድ ዶክሜንት ዘይምለስ 50.00 ( ሓምሳ ቅርሺ) ብምኽፋል ካብ ቤት ፅሕፈትና ዕለት 14/02/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም ወ/ጣ/ኣበርገለ ቢሮ ቁፅሪ 8 ይክፈት ፤ ድሕሪ ምዕፃው ጨረታ ሳንዱቅ ዝመፅአ ዝኮነ ይዅን ጨረታ ሰነድ ተቀባልነት የብሉን።

4 እቲ ጨረታ ንምስታፍ ንዝኾነ ሕጋዊ ነጋዳይ ክፉት ኮይኑ ኣብቲ ጨረታ ብቋንቋ ትግርኛ መሊኡ ከቅርብ ዝኽእል፤

5 መኸበሪ ጨረታ ፅሕፈት መሳርሒ 7000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንሕትመት 2000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ኤሌክትሮኒክስ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንፈርኒቸር 5000.00 ቅርሺ ፣ ንኣቅሑት ፅሬት 2000.00 ቅርሺ፣ ንመኪና ስፔር 5000.00 ቅርሺ ፣ ስፖርት ዕጥቂ 2000.00 ቅርሺ ኮይኑ

6 ቤት ፅ/ትና ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0344-220126/0069 ወይ ብኣካል ምሕታት ይከኣል።