ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ደቡብ ምብራቅ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ዝኸፈሉ ፣ ንግዲ ፍቃዶም ዘሐደሱ ፣ ቲን ቑፅሪ ዘለዎም ቫት ዝተመዝገቡ

2 ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ንፅሕፈት መሳርሒ 3000.00 ፣ፅሬት ኣቅሑት 3000.00 ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል ኦርጅናል ናይ ጨረታ ዶክመንት ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ዝኽእሉ

3 ኣብ ዝቐረበ ናይ ጨረታ ዶክመንት ኣብ ሕድሐድስ ፌርማን ማህተምን ናይቲ ትካል ክህልዎ ኣለዎ

4 ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዶክመንት ዝርዝር ስፔስፋኬሽን እዚ ካብ ዕለት 26/01/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ደቡብ ምብራቅ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ብምምፃእ ዘይምለስ ብር 50.00 ብምክፋል ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ዶክመንት ክሳብ ዕለት 14/02/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ንጉሆ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ስራሕ ሰዓት ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ብምእታዉ ይዕሸግ

5 እቲ ጨረታ ዕለት 14/02/2012ዓ/ም ሰዓት 9፡00 ድ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡30 ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ደቡብ ምብራቅ ዕደጋን ፋይናንስን ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይክፈት

6 ተጫረቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ዝወፀአ ስፔስፊኬሽን ዝርዝር ወፃኢ ዝኣተወሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብረት ኣታዊ ይግበር

7 ጨረታ ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ዉዕሊ መኸበሪ 10 ሚኢታዊ ብምትሓዝ ካብ ዉዕሊ ዘኣተወሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ኣብ 5ተ መዓልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብረት ኣታዊ ይገብር

8  እቲ ቤት ፅሕፈት ካብቲ ዝተዘርዘረ መጠን ንብረት 20 ሚኢታዊ ናይ ምዉሳክን ናይ ምቅናስን መሰሉ ዝተሓለወ አዩ

9 ጨረታ ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ እዋን ጀሚሩ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ የቕርብ

10 ተጫራቲ ግልፂ ኣብዘይኮነሎም ነጥብታት መብርሂ ወይ መመሓየሺ ሕቶ ከቕርቡ ዝኽእሉ ጨረታ ዝኽፈተሉ እዋን ቅድሚ ምብፃሑ ይኸዉን

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ አዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ  03 42 41 88 98 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል