ማእከል ቤት ህንፀት ሽረ

1 ናይ 2011/12 ዓም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቃን መቅረባይነትን ምስክር ወረቀትን በቲ ዘፈር ዝገልፅ ዘቅርብ

2 መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ወይ ድማ ቲን ቁፅሪ ዘለዎ

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ ወረቀተ ምስክር ዘቅርብ

4 ናይ ወርሒ ሓምለ 2011 ዓም ቫት ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 ተጫረቲ መከበሪ ዉሕስና ጨረታ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይድማ ብጥረቅርሺ ከትሕዙ ይግባእ ንመሳርሒ ፅሕፈት 6500 ፣ ንኣቅሑት ፅሬት 25000፣ ንመሳርሒ ህንፃን ኤሌክትሪክን 6500፣ ንጎማ መካይን 6500 ከትሕዙ ዝክእሉ

6 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን እቲ ቤት ህንፀት በቲ ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ መሊኡ ከቅርብ ዝክእል

7 ሰነድ ጨረታ ካብ 21 መስከረም 2012 ዓም ክሳብ 05 ጥቅምቲ 2012 ዓም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ዘይመለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ማእከል ቤት ህንፀት ሽረ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 7 ምዉሳድ ይከኣል

8 ነዚ ተባሂሉ ዝተዳወ ሳንዱቅ ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ካብ 17 ታህሳስ 2010 ዓም ክሳብ 2 ጥሪ 2010 ዓም ሰዓት 3፡00 ኣብ ዘሎ ግዜ ይከዉን

9 ኣብ ስራሕ ሰዓት እነዳመፃእኩም ድማ መወዳደሪ ፖስታ ብምዕሻግ ምእታዉ ይከኣል

10 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሸገሉ 6ጥቅምቲ2012 ዓም ሰዓት 4፡00 ንጉሆ ይከዉን ጨረታ 06ጥቅምቲ 2012 ዓም ሰዓት 4፡15 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣበ ዝተረከብሉ ይክፈት እንተዘይ ቀረቡ እዉን ከይዲ ጨረታ ካብ ምክፋቱ ኣይተኣጎጎልን :: ዝቀረበ ፖስታ ካይተከፈተ ዝምለስ ኣይህሉን

11 ተጫረቱ ዝሰዓረ ነጋዳይ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ናይ ስራሕ ግዜ መፂኡ ካብ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ 10 ሚእታዊ መክበሪ ብምሓዝ ዉዕሊ ክኣስረ አለዎ

12 ዝአሰሮ ንብረት ድማ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ መራገፈን ብምሽፋን ናብ ማእከል ቤት ህንፃት ሽረ ከረክብ አለዎ

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

14 ቤት ፅሕፈትና ነቲ ዝግዛእ ንብረት 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ 0344442182 / 3839 / 2289ደዊልካ ምሕታት ይከኣል