ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ

1 ሕጋዊ ንግዲ ዘሎዎን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቕርብ ብመምርሒ ሕደሳ ናይ ምሕዳስ ግዚኡ ዘይሓለፎን ዘሐደሰን ሙሉእ ገፅ ኮፒ መረዳእታ ኣተሓሒዙ ዘቕ ርብ

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቋፅሪ ቲን ናምበር በቲ ዘረፊ ኣብ መቕረብቲ ዝርዘር ዝተመዝገበን መረዳእታ ሙሉእ ገፅ ፎቶ ኮፒ ገይሩ ኣተሓሒዙ ዘቕብ

3 ኣብዚ ጨረታ ዝሰተፉ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን ክሳብ ነሓሰ 30/2011 ዓ/ም ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቕርብ

4 ናይ መኪና ጋራጅ ፅገና ብመንገድ ትራንስፖርት ካብ 5ይ ደረጃን ንላዕሊን ዝተወሃቦም ክኸዉን ይግባእ

5 ናይ ጨረታ መኽበሪ ናይ ሐድሐድ ሎት ቢድ ቦንድ 5000.00 ሓምሽተ ሽሕ ብር ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ኣብ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ከትሕዝ ኣለዎ

6 ዋጋ ዝመልኣሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ብቤት ፅሕፈትና ብዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ክከዉን ይግባእ

7 ዋጋ ዝመልኣሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምክሪ ክልልትግራይ ሒሳብ ክፈሊ ንሕድሕድ ዘይምለስ 50 ብር ብምክፋል  ካብ  ዕለት 16/01/2012 ክሳብ ዕለት 30/01/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ናይ ድ/ሰዓት ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይካኣል

8 ተመልኡ ብዝተዓሸገ ፆስታ ንዑኡ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ 30/01/2012 ሰዓት8፡30 ድ/ሰዓት ከእትዉ ይግባእ  ዕለት 30/01/2012 ሰዓት 8፡30 ተዓሺጉ በቲ ዕለት በዓል ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለዉሉ ልክዕ ሰዓት 9፡00 ይክፈት መቕረብቲ ብናይ ባዕሎም ድልየት ተዘተረኪቦም እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ፖስታ ንምክፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

9ናይ መኪና ጋራጅ ፅገና ሰዓራይ ዝፍለጥ ቴክኒካል 70 ሚኢታዊ ማይናንሻል ድማ ካብ 30 ሚኢታዊ ይኸዉን

10 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ዓይነታት ንብረት ብናይ ባዕሎም መፅዐንን መራገፍን መጓዓዝያን ናብ ቤት ፅሕፈትና ብዉዕሎም መሰረት ኣታዊ ዝገብሩ

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብመሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

12 ንዝበለፀ ሓበሬታ 03 44 41 65 70 ፊት ንፊት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ