ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ

ስለዚ ዝምልከተኩም መቕረብቲ በዚ ዝስዕብ ናይ ጨረታ ረቋሒ መሰረት ክትወዳደሩ ንዕድም

1 ናይ ቫት ተመዝጋቢ ምኻኖም መረዳእታ ዘቕርቡን ናይ ወርሒ ሓምለ 20011 ዓ/ም ቫት ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ዘቕርቡን

2 ናይ 20011 ዓ/ም ንግድን ሞያ ፍቃድን ዘሐደሱ ምኻኖም መረዳእታ ዘቕርቡ

3 ብኤጀንሲ ልምዓት እቶት ናይ ግበሪ ከፈልቲ መለለይ ካርድ /ቲን /ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ ዘቕርቡ

4 ናይ ጨረታ መክብሪ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርቲፊኬት ስፒኦ ጥረ ገንዘብ ንፅሕፈት መሳርሒ 5000.00፣ ንሕትመት 2000 ፣ ንኤሌክትሮኒክስ 5000፣ መኪና ስፔር 5000፣ ሞተር ስፔር 3000፡ ብስክሌትን ሳይክል ስፔርን 2000፣ ናይ ስፖርት ዕጥቂ 3000

5 ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 05/01/2012 ክሳብ ዕለት 20/1/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ አብ ዘሎ ስራሕ ሰዓት ዓዲጉም ነፃላን ጠቅላላ ዋጋን ምስ ቫቱ ሓዊሶም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ አታዊ ይገብሩ ጨረታ ሳንዱቅ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይ/ስራ/ዕዳ/ፋይ/ንብ/ምም/ርን ይኸዉን

6 ጨረታ ምስተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሰብ ለዉጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብ ጨረታ ነብሶም ምግላል ኣይኽእሉን

6 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 20/01/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ ዕለት 20/01/2012ዓ/ም ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ዝኽፈት ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንተሃልዩም ይምረፅ

7 ዘሸነፎም ንብረት መቕረብቲ ብናይ ባዕሎም ናይ ትራንስፖርት ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈትና አታዊ ይገብሩ

8 ቤት ፅሕፈትና እዚ ጨረታ ዘየዋፅኦ እንተኾይኑ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344430083/339 ደዊሎም ክረኽቡና ይኽእሉ