ቤት ፅሕፈት ትልምና ፋይነስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ

1 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴተ ታክስ ዝኮንኩም ናይ 2011 ዓ/ም በቢዘፈር ስራሕ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ምቅራብ እትክእሉ፤

2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም እዉን መረዳእታ ዘለኩም ናይ ወርሒ ሰነ 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መራዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ፤

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ እዉን ዘለኩም ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገብኩም ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር እዉን ምቅራብ እትክእሉ፤

4 ንኩሎም ፍቃዳት ዋና ምስ ቅዳሕ አተሓሒዝኩም እዉን ክተቅረቡ አለኩም፤

5 ዝተመለአ ሰነድ መቅረቢ ዋጋ ሐደ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ጠቅላላ ክልተ ፖስታ እዉን ክተቅረቡ ይግባእ።

6 መከበሪ ጨረታ መሳርሒ ፅሕፈትን መለዋወጢ ኣቁሐት መኪናን 5000.00 ቅርሺ ንኣቁሐት ኤሌክትሮኒክስን ኣቁሐት ፅሬትን  3000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ  ከትሕዙ ትክእሉ

7 ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ድጋፋ ፋይናንስ ንብረት ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 19/12/2011ዓ/ም ክሳብ 03/13/2011ዓ/ም ክትወስዱ ትክእሉ፤

8 እቲ ጨረታ 04/13/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት።

9 ሰዓራይ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ኣታዊ ይገብር።

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11 እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚኢታዊ ናይ ምወሳክን ምቅናስን መሰል ኣለዎ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ /0342-440307 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።