ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር

ተጫረቲ ከማልኡዎ ዝግባኡ ረቃሕታት

1 ተጫረቲ ሕጋዊ ዝከነ በዚ ዘርፊ ንግድ ፍቃድ ዘለዎምን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈሉን ዘሐደሱን ክኮኑ ኣለዎም ነዚ ንምርግጋፅ ኦርጅናልን ኮፒን መረዳእታ ከቅርቡ ኣለዎም

2 ተጫረቲ ቫት ተመዝገብቲ ምካኖም መረዳእታ ከቅርቡ ኣለዎም

3 ተጫረቲ ናይ ንግዲ ምዝገባ ቁፅሪ ወይ ድማ ቲን ክህልወዎ ይግባእ

4 ተጫረቲ ብፖስታ ዝተዓሸገብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ድማ ጥረ ገንዘብ ብር 10000.00 ከትሕዝ ይግባእ

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00 ምስ ቫቱ ብምክፋል መቀለ ቀበሌ 16 ፎቶ ደስታ ፊት ንፊት ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና ወይ ድማ ኣብ ከተማ ማይ ጨዉ ቀበሌ 04 ዝርከብ ኩባንያ ኣብ መምርሒ ፋይናንስ መፂኢኩ ምዕዳግ ትክእሉ ምካንኩም ንሕብር

6 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዓርብ ዕለት 30/08/2019 ዓ/ፈ ልክዕ ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኮይኑ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8፡30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ማይ ጨዉ ቀበሌ ኣብ ዝርከብ ኩባንያና ይክፈት ትካልና ጨረታ ኣብ ዝክፈተሉ ተጫረቲ ወይ ወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ናይ ምክፋት መሰል ኣለዎ

7 ተጫረቲ ዘቅርቡዎ ዓይነት ዶዞር ናቲ ስራሕ ንምስራሕ ብቅዓት ዘለዎ ክኮዉን ኣለዎ

8 ሰዓራይ ተጫራታይ ዘቅርቦ ዶዘር ማሽን ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ወፃኢ ናብ እቲ ዝተጠቀሰ ናይ ስራሕ ቦታ ሳይት የጋዕዝ ስራሕ ምስ ወደአ ድማ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ዝምልስ

9 ኩባንያና ነዚ ጨረታ ብክፋለ ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

10 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቁፅሪ 03 47 77 15 59 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል