ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን

ናይ መካይን ፅገና ግልጋሎት ደረጃ 4ተን 5ተን ጥራሕ ዝኮንኩም

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ብግልፂ ዝርአ ፎቶ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዝተመዝገብኩምን ቲን ሰርተፊኬት ክተቅርቡ ትኽእሉ ብግልፂ ዝርአ ፎቶ ኮፒ ከቕርብ ኣለዎ

3 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለኩም ብግልፂ ዝርአ ፎቶ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል

4 ናይ እሴት ታክስ ቫት ዝተመዝገቡን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝኸፈልኩምን ናይዝኸፈልኩምዎ ናይወርሒ ሓምለ  2011 ዓ/ም ድክላሬሽን መረዳእታ ብግልፂ ዝርአ ፎቶ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል

5 ተጫረቲ ዘይምለስብር 50 ( ሓምሳቅርሺ )እናኸፈልኩም ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶራት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ኣብ ሓበራዊ (ኮምፕሌክስ) ህንፃ 3ደብሪቁፅሪ 171 ካብ ዕለት 13/12/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 28/12/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት እናመፃእኹም ናብ ዝተዓሸገ ናይ ጨረታ ሳፁን ፖስታኹም ክተእትው ትኽእሉ፤

6 ተጫረቲ ናይጨረታ ውሕስና መኽበሪን 10000.00/ዓሰርተ ሽሕ ብር/ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ፣ኣብኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ወይ ጥረ ገንዘብ ከተሓሕዙ ትኽእሉ።

7 ተወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፊርማን ክህልዎይግባእ።


8 ናይቲ ጨረታ ሰዓርቲ እንተኮይኑኩም ክሳብ ሰነ 30/2012 ዓ/ም ዉዕሊ ክኣስር ዝኽእል

ንተወሳኺሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-411052 ምድዋልይከኣል።