ዓዲግራት ጀነራል ሆስፒታል

ሎት 01 ናይ ጋራጅ ፅገና ተሽከርከርቲ ጉልበት ዋጋ ግልፂ ጨረታ

ሎት 02 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ፅገና ዋ ግልፂ ጨረታ

ሎት 03 ናይ ሽንት ቤት ገንዳ /ሰፕቲክ ታንክ/ ትመጥጥ መኪና

ሎት 4 ናይ መጥሓን በርበረን ጣፍን

1 ናይቲ ዝወዳደርሉ ዘፈር ንግዲ ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ፡ ቲን ናምበር ፣ ቫት ሰርተፊኬት ፣ ናይ መቅረብቲ ካርድ  ኣብ እዋን ጨረታ ዝክፈተሉ ኦርጅናል ሐደ ኮፒን ዘቅርብ

2  ኣብ ሓደ ሎት ዉሽጢ ዝወፀ ጨረታ ብዘርፊ ቫት ዝተቱን ቫት ምዝገባ ካብ ዘይሓቱን ወፃኢ ካብ ብር 100.000.00ብ ኣብ ዘለዎ ዕዳጋ ዝሳተፍ ዝኾነ ተጫራታይ ዉሽጢ ዓዲ ንተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ከም ኣድላይነቱ ወርሓዊ ዘቕርብን ምካኑን መፍለይ ቁፅሪ ዝሓዘን ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቃድ ዝተሓደሰ ወረቐት ምስክር መቕረባይነት ከቕርብ ዝኽእል ወይ ፌደራል ኤጀንሲ ዕደጋ ምም/ር ንበረትን ኣብ ዘዳለዎ መርበብ ሓበሬታ ዝተመዝገበ ከምኡ ድማ ተጫረቲ ወፃኢ ሃገር ኣብ ዝሳተፍሉ ግዜ ካመ ኣድላይነቱ ካብ ዝተጣየሸሉ ሃገር ዝተዋሃቦም ናይ ኩባንያ ምዝገባ ምስክር ወረቐት ወይ ፍቓድ ከቕርቡ ከም ዝግባእ ምጥቃሱ

3 ኣብ ሎት 01 02 03 እና 04 ዘለዉ ጨረታታት ንሓደ ዓመት ዉዕሊ ብምእሳር ዝፍፀሙ ምካኖም ፈሊጥኩም ናይ ሓደ ዋጋ ጥራሕ ክትመልኡ ከም ዘለኩም ፈሊጥኩም ክትወዳደሩ ኣለኩም

4 መኸበሪ ጨረታ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ ከ 00/100/ ቅድሚ ጨረታ ሰነድ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ዘእትዉ

5  እቲ ጨረታ ኮነ ኢሉ ዘዛብዕ ከጭበርብር ዝፈተነ ካብቲ ጨረታ ክወፅእ ተገይሩ ዘትሐዞ ጨረታ መክበሪ ተወሪሱ ብናይ ክልል ትግራይ ዕድጊት መምርሒ ዝዶንጎጎ ብሕጊ ተሓታቲ ይከዉን

6  ድሕሪ  ጨረታ ምክፋቱ ዝኮነ ይኩን መመሓየሺ ኣበ ጨረታ ሰነድ ምግባር ብፍፁም ኣይፍቀደን

7 ኣብቲ ጨረታ ከይዲ ቅሬታ እንተሃልዎ ጨረታ ዉሳነ ካብ ዝረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 3 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ጥራሕ ናብ ዓድግራተ ጀነራል ሆስፒታል ቅሬታ ዘለዎ ቅሬቱኡ ብፅሑፍ ከቅርብ ኣዎ  

8 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት እቲ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ መዓልቲ  ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓዲግራት ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምም ንብረትን ብአካል ቀሪቡ ዉዕሊ ይኣስር ከይዲ እቲ ጨረታ ቅሬታ እነተሃልይዎም ጨረታ ዉሳነ ካብ ዝረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 3 ተከታተልቲ መዓልቲ ጥራሕ ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ቅሬትኡ ብፅሑፍ ከቅርብ አለዎ

9 ጨረታ ሰነድ ብር 50.00 ብምክፋል ካብ ዕለት 26/11/2011ዓ/ም  ጀሚሩ ክሳብ ዕለት  10/12/2011 ዓ/ም ካብ ዓዲግራት ጀነራል ሆስፒታል ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናነስ ምምሕዳር ንብረት ጨረታ ሰነድ ብምዉሳድ ወይ ብምዕዳም ኣብ ዋጋ መምልኢ ብትክክል መሊኦም ንዑኡ ተባሂሊ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ኦርጅናልን ኮፒን ብሽምዒ ዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ኣለዎም

10 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ 10% ዉዕሊ መኸበሪ ብጥረ ገንዝብ ወይ /ብስፒኦ ክትሕዝ ዝክእል

11 ተጫራታይ ካብቲ ናይ ትግራይ መምርሒ ዕደጋ 04/2007 ወፃኢ ዝኮነ ናይ ግዜ ገደብ ሂቡ እንተተወደዲሩ ሰዓራይ ኣብ ዝኮነሉ በቲ ናይ ዕደጋ መምርሒ ዝተኣናገድሉ ምካኑ ፈሊጡ ናይ ባዕሉ መምርሒ ከቕምጥ ከምዘይብሉን እንተቐመጠ እዉን ተቐባልነት የብሉን

12 ተጫረቲ ኣብ ዘቕርብዎ መወዳዳሪ ሓሳብ ሽምን ክታም ኣድራሻን ከስፍሩ ከም ዘለዎም

13 ሆስፒታልና እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን  ብክፋለ ናይ ምዝራዝ መሰሉ ዝታሐለወ እዩ

14 ሆስፒታልና 20 ናይቲ ዝተሳዓረ ንብረት ዋጋ መጠን ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰል ኣለወዎ

15 እቲ ትካል ዝጎዞኦም ኣቅሑ ኦርጅናል ምካኖም ዘረጋገፀ ምካኑን ምስተረጋገፀ ናይ ፅሑፍ መረዳእታ ምስ ፌርማን ማህተምን ዘቅርበ ምካኑን እቲ መኪና ኣብ ዝፅገነሉ ገዜ ብዉዕሊ መሰረት ይግጠም

16 ተገዚኦም ዝቀርቡ እስፔር ፓርትታት ብናይ ዝሰዓረ ጋራጅ ባዓል ሞያ ሓላፍነት ኦርጅናልን ዘይኦርጅናልነ ፈልዩ ብፅሑፍ ከቅርብ ዝክእል ክኮን አለዎ

17 እቲ ቤት ፅሕፈት ትካል ኣብቲ ጋራጅ ዕግበት እንተሲኢንሉ ብቀጥታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

18 ኣብቲ ዝተቀመጠ ናይ ዋጋ መምልኢ ዋጋ ከይመለእካ ምቅራይ ዘይካኣለ ምካኑና ብነፃ ዝስራሕ እንተኮይኑ ብነፃ ክበሃለሉ ዋ ዘድልዮ እንተኮይኑ እቲ ዋጋ ክምላእ ኣለዎ

19 ሰዓራይ ዝፍለየሉ በዘመልኦ ናይ ግልበት ዋጋ ምካኑ ኣሚኑ ክወዳደር

20 ኣብ ፅገና ይኩን ሰትቪስ ዝግበራ መካይን ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑትን ስራሕቲ ዘድሊ ስፔር ፓርት / መለዋወጢ/  እንተሃልዩ ብዉዕሊ ተቀባሊ ብስሩዕ ምስ ምሉእ ስፔስፊኬሽ እና ፓርት ናምበር ብናይ ትካሉ ማህተም ዝዓረፎ ንዉዕሊ ወሃቢ የፍልጥ

21 ተጫራታይ ካብ ዝምልከቶ በለስልጣን ዝተዋበ ናይ ብቅዓት መረጋገፂን ዘተፈቀደሉ ደረጃ ከቅርብ ዝክእል ኣታሓሒዙ ከቀርብ ዝክእል

22 እዚ ጨረታ ዕለት 10 /12/2011ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ሰዓት 9፡00 ድሕሪ ሰዓት ካብ ዓድግራት ጀነራል ሆስፒታል ደጋፊ ካይዲ ስራሕ  ዕደጋ ፋይ/ምመ/ር ንብረት ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ዘሎ ቦታ ኣብ ቅድሚ ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣበ ዘለዉዎ ይክፈት  

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-452201 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።