-
ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም
-
መረዳእታ መቅረባይነት ዝሓዘን መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ከቅርብ ዝክእልን
-
ናይ ወርሒ ነሓሰ 2007 ዓ ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
-
ሰነደ ጨረታ ንሕድሕድ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 12 ምዉሳድ ይከኣል
-
ጨረታ ብድምፂ ወያነ ትግራይ ካብ ዝተጋወሐሉ ጀሚሩ ክሳብ ጥቅምቲ 30 2008 ዓ ም ዝሽየጥ እንትከዉን 30 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ሰዓት 8፡ 45 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 9 ፡00 ይክፈት
-
መክበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ሎት 5000 ቅርሺ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
-
ተጨራታይ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ይግባእ
-
ዝኮነ ተጫራታይ ብዝዓባ እቲ ጨረታ ሰነድን ካልእ መብራህርሂ ዘድልዮ እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራይ ምሕታት ይክእል
-
ጨረታ ሰዓራይ ንብረት ኣታዊ ዝገብረሉ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንብረት ክፍሊ ኮይኑ እቲ ንብረት ድማ ፅሬቱ ብባዓል ሞያ እቲ ቢሮ ክረጋገፅ ይግባእ
-
እቲ ቢሮ ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብ ቁፅርታት ስልኪ 0344403477 ወይድማ 0344408299 ብምድዋል ይኩን ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣል