ናይ ደገ መብራህቲ ማለት እዉን ሲዴም ላምፕ ፊክስቼር ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ካብዚ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን መቅረብቲ ክትወዳደሩ ይዕድም
- ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ፣ ሕጋዊ መቅረባይነት ፣መለለዩ ከፈልቲ ግብሪ፣ናይ ወርሒ ነሓሰ ሪፖርት ቫት ከምኡዉን ወረቀይ ምስክር ቫት ቅዳሕ ገይርኩም ኣተሓሒዝኩም ተቅርቡ
- ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ 20 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ክሳብ 2 ሕዳር 2008 ዓም
- ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ድማ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዱስትሪን ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ብምምፃእ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ
- ጨረታ 2 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 8 ፡30 ተዓፅዮ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9 ፡30 ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
- መክበሪ ጨረታ 6,000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይዉን ብሲፒኦ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልትታት ዉዕሊ ክትኣስሩ አለኩም
- ሰነድ ጨረታ ብንፁረ ዝንበብ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ባዕልኩም ፊርማን ማሕተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ዓሪፍዎ ብፖስታ ተዓሺጉ ክኣቱ ይግባእ
- ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ምስተከፈተ ከምኣድላይነቱ ንብረት ክሰብ 20 ሚኢታዊ ክዉስክን ክንክይን ይክእል እዩ
- ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ንብረት ከረክብ አለዎ
- ሰዓሪ ዉዕሊ ክኣስር ከሎ ኣብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚኢታዊ መክበሪ ዉዕሊ ከትሕዝን ንዘቅርቦ ንብረት እንተነኣሰ ናይ ሓደ ዓመት ዉሐስና ከቅርብን ኣለዎ
- ከይዲ ጨረታ ብዘይኣግባብ ንምዝባዕ ዝፍትን ብሕጊ ዝሕተትን ጨረታ ከይሳተፍ እዉን ክሳብ ምእጋድ ስጉምቲ ዝዉሰዶ ምካኑ ንሕብር
- ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዊ እዩ
ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344320255 ወይዉን 0344320317 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል