ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግበኦም ረቋሕታት

1 ናይ 2011ዓ/ም ፍቃድ ንግዲን ዘሐደሱን ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝከፈሉን ክኮኑ ኣለዎም፣

2 ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነትን መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ብቅዳሕ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ መጋቢት/ሚያዝያ ሒሳብ ዘወራድክምሉ መረዳእታ ክተቅረቡ እትክሉ፤

4 ሰነድ ጨረታ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ካብ 03/10/2011ዓ/ም ክሳብ 18/10/2011ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስት ዋናን ቅዳሕን ምእታዉ ይከኣል፡፡

5 መከበሪ ጨረታ ንኮምፒዩተራትን ተዛመድትን ኣቅሑት 6000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንኣቅሑ ኢንዳስትሪ 4000.00 ቅርሺ ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መካይንን 6000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

6 ጨረታ ሰዓራይ ዉዕሊ ንክኣስር ምስተነገሮ አብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ዝኣስር፤

7 መከበሪ ዉዕሊ ጨረታ 10 ሚኢታዊ ካብ ጠቅላላ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኸእል፤

8 እቲ ጨረታ 18/10/2011 ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ከተማ ዶሃን ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፡፡

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0343-450110 / 0343-450112 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡