ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቋርን ኣክስዩን ማሕበር ኣብ ዋና ቢሮ ከተማ መቐለ ዝርከብ ህንፃ  ናይ ማይን ሽቃቅ መስመርን /sanitary installation/ ፅገና ንምግባር ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ከስርሕ ስለዝደሊ ክትጫረቱ ትደልዩ ሳንተሪ ኢንስታሌሽንስራሕቲ ፍቃድ ዘለኩም ክትጫረቱ ንዕድም፡፡

እዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ክተወዳደሩ ትኽእሉ ምዃንኩም ንገልፅ።

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ፣ ንግዲ ምዝገባ ክፍሊት ምዝገባ ሰርቲፊኬት/ቲን/ ፣ ናይ ቫት ዝተመዝገብኩም ምዃንኩም ዝገልፅ መረዳታ፣ ናይ ዝሓፈ ዲክላሬሽን ናይ ቧንቧ ሳኒተሪ ኢንስታሌሽን ምዝገባ ካርዲ ክተቅርቡ ትኽእሉ ፤

2 ተጫረቲ ካብ ዝቐረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ናይ ጨረታ ዉሕስና መኸበሪ ቢድቦንድ ሕጋዉነቱ ዝተረጋገፀ CPO ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል፤ ካብ 2% ዝነኣሰ ዘትሐዘ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ::

3 ተጫረቲ ኣብ ዝጫረትሉ ካብ ዉዕሊ ዝተኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ተካታተልቲ ምዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

4 ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ 15/09/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 26/09/2011ዓ/ም ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ደደቢት ማ/ፋይናንስ 4ይ (ራብዓይ) ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 409 ብብር 5.00 (ሓምሳ ቅርሺ) ብምክፋል ክትወስዱ ትኽእሉ፤

5 ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘቀርቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ደክመንት ፈሪሞምን ከምቲ ክሽየጥ ተሎ ዝነበረ ከየጓደሉ ከቅርቡ ኣለዎም፡፡ ዝተጓደለ ብትክክል ዘይተመልአን ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከውን፡፡

6 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ፋይናንሻል፣ ሓደ ኦርጂናልን ክልተ ቅዳሕን ናይ ጨረታ ውሕስና ሰነድ ሲፒኦ አብ ዝ/የ ፖስታታት ተዓሺጎም ኩሎም ፖስታታት ድማ ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ 4ይ ደብሪ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣታዊ ይከውን፡፡

7 እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 26/09/2011 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ ሰዓት 3፡30 አብ ደደቢት ትካል ዋና ቢሮ ተጫረቲ ብአካል ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኽቡሉ ይኸዉን::

8 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብከፋል ወይድማ ብሙሉአ ናይ ምስራዝ መብቱ ዝተሐለወ እዩ

10 ተወሳኪ ሓበሬታ እንተደሊኩም ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ማፋይናንስ ዝርክብ ቢሮ ቁፅሪ 11 ብምቅራብ ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-400014 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ