ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ማእከል

ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ንቤት ፅሕፈት  ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሕታት ፅሕፈት ፣መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና ፣ከምኡዉን ኣቁሑት ፅሬት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ  ዝስዕብ ረቋሒ ተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

  1. ናይ 2008 ዓ ∙ም ኣግባብ ዘለዎ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ
  2. ናይ 2007ን 2008 ን ዓ ∙ም ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት መለለዩ መንነት ወረቀት ምስክር ፣ከፋላይ ግብሪ፣ተወሳኪ እሴት ታክስ  ከምኡዉን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2007 ዓ ∙ም ዲክላራሽን
  3. ናይዞም ዝተሓበሩ ረቋሕታት መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን  ከቅርብ ኣለዎ
  4. ተጫረቲ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን  ዞባ ማእከል ክፍሊ ቁፅሪ 36 ምዉሳድ ይከኣል
  5. ዝተሓዝ መክበሪ ጨረታ ዝሰዓረ ምስተፈለጠ ንዘይሰዓሩ ሽዑንሹዑ  ዝምለስ 4,000 ቅርሺ ንመሳርሕታት ፅሕፈትን ኣቁሑት መለዋወጢ መኪናን ፣2,000 ቅርሺ ድማ ንኣቁሑት ፅሬት ብሲፒኦ ዝተረጋገፀ ቼክ ክተትሕዙ ኣለኩም
  6. ተጫሪቲ ሰዓርቲ ምካኖም ምስተገለጸፀ ኣብ ዉሽጢ  3 መዓልትታት ቀሪቦም ዉዕሊ ክኣስሩ ኣለዎም
  7. ተጫረቲ መክበሪ ዉዕሊ ካብ ዝተኣሰሮ 10 ሚኢታዊ ብሲፒኦ ከቅርቡ ኣለዎም
  8. ተጫረቲ ዉዕሊ ካብ ዝኣስርሉ  ኣብ 10 ናይ ስራሕ መዓልትታት ንብረት  ብናይ ባዕሎም  መጋዕዝያ  ናብ ክፍሊ ንብረት ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም
  9. ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ካብ 5 ጥቅምቲ  2008 ዓ∙ ም ክሳብ 19 ጥቅምቲ  2008 ዓ ም ሰዓት 4፡ 00 ናይ ንጉሆ ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ሰዓት  ኣብቲ ከይዲ ስራሕ  ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ ሳነዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 19 ጥቅምቲ 2008 ዓ ∙ም ሰዓተ 4 00 ቅድሚ ቀትሪ እንትከዉን ብተመሳሳሊ ዕለት ድማ ሰዓት 4 ፡30 ቅድሚ  ቀትሪ ወኪል ኣብ ዝተረከበሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ማእከል ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ዞባ ማእከል ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ይክፈት
  10. ቤት ፅሕፈትና  ዝሓሸ መማረፂ እንተረኩቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ድማ ብሙሉእ ናይ መስራዝ መሰል ኣለዎ

ንዝበለፀ ሓበሬታ  0347752207 ወይንድማ 0914787504 ምሕታት ይከኣል