ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ፓርክታት ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዝመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል፤

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ዝተመዝገበ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ወርሒ መጋቢት/2011ዓ/ምቫት ዲክላሬሽን ዋናን ሐደ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል፤

4 በቲ ዘፈር መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑ ናይ ዝመኑ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት ዋናን ሐደ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል፤

5 ናይ መወዳደሪ ዶክሜንት ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ፣ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማሕተምን ፌርማን ዘለዎ ክከዉን ይግባእ፤

6 ሰነድ ጨረታ ካብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት አንድስትሪ ትግራይ ፊት ንፊት ዓብይ ንግዲ ባንኪ ሞሞና ህንፃ 8ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 803 ካብ ዕለት 13/09/2011 ዓ/ም ክሳብ 28/09/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ 50.00 እናከፈልኩም ብምዉሳድ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መከበሪ ሰነድ ጨረታ ብር 3000.00 /ሰለስተ ሽሕ ብር/ ጥራሕ ብሽም ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ትግራይ ብሲፒኦ ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ብጥረገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል፤

8 እቲ ጨረታ ዕለት 28/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት አንድስትሪ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 803 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኩን ኣብ ዘይተረከብሉ ይክፈት።

9 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

10 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0342-417506 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል