Mekelle Kenema Sport Club

1 ናይ 2011ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም፤

2 ቲን ቁፅሪ ሰርቲፊኬት ተቅርቡ ትክእሉ፤

3 ቫት ዝተመዝገብሉን ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2011 ቫት ዲክላሬሽን ዘቅርቡን፤

4 ናይ 2011 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ተቅርቡ ትክእሉ፤

5 መከበሪ ጨረታ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብር 3000.00 ክተሕዙ ዝክእሉ፤

6 ናይ ጨረታ ሰነድ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ሓደ ኦርጂናል ኣብ ዝተዳለወ ኣብ ቤት ፅሕፈት ስፖርት ክለብ ከተማ መቐለ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምእታው ትክእሉ፤

7 እቲ ጨረታ ካብ 09/09/2011ዓ/ም ጀሚሩ ን15 መዓልቲ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ እንትከውን ግንቦት 23/2011ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 3፡00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 3፡30 ይክፈት፡፡

8 ሰዓራይ ትካል ብዝተውሃቦ ሳምፕል መሰረት ዘቅርብን መወዳደሪ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ከቅርብ ይግባእ፡፡ ኣብ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ከይሓወሰ ዘቅረበ ተጫራታይ ቫት ከም ዝሓወሰሉ ይውሰድ፡፡

9 ተጫራታይ ብሳምፕል መሰረት ጥራሕ ከቅርብ ዝክእል ኮይኑ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዝያ ናብ ስፖርት ክለብ ከተማ መቐለ ሓወልቲ ክ/ከተማ ኣታዊ ይገብር፡፡

10 ሰዓራይ ትካል ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ኣታዊ ይገብርን ውሕስና ከቅርብ ዝክእል፤

11 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤ/ፅሕፈት ስፖርት ክለብ ከተማ መቐለ ምውሳድ ትክእሉ፤

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ኣድላይ ኮይኑ እንተረኪብዎ ኣብ ጨረታ 20 ሚኢታዊ ክውስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ፡፡

13 ኩሉም ስምምዕነት ጨረታና ብስርዓት መምርሒ ዕደጋ ክልልና ዕደጋ ቁ-04/2007

14 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ፡፡

 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0914-728738 ምድዋል ይከኣል፡፡