ንቤት ትምህርትታት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ፈርኒቸር ማለት
ኮምባይን ዴስክ፣ ወንበር፣ ጠረጴዛ ፣ብላክቦርድን ካልኦትን ብጨረታ ኣወዳደራ ክተስርሕ ትደሊ በዚ መሰረት ኣብዚ ዉድድር ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ
- ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱ
- ናይ ግብሪ ከፋላይነት መፍለዩ ቁፅሪ (TIN NO) መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
- ናይ ቫት ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
- ናይ መቅረባይነት ምዝገባ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
- ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ ንኤለክትሮኒክስ 3000 ብቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብ CPO ከትሕዙ ዝክእሉ
- ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ 20 ብምክፋል ካብ ማ∙ ል ∙ት ቤ /ፅሕፈት ቁፅሪ 400 ክወስዱ ይክእሉ
- ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ቢድ ቦንድነ ማሕተም ገይሮም ብኢነቨሎፕ ብምዕሻግ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ጥቅምቲ 4 /2008 ክሳብ ጥቅምቲ 18 /2008 ዓ ም ሰዓት 8 ፡00 ኣብ ቤት ፅሐፈትና ቁፅሪ 400 ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳፁን ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ
- ናይቲ ኣቅሓ ዝርዝር ድሌት መግሊፂ ቤት ፅሕፈትና ካብ ዘቅረቦ ናይ ዋጋ መቅረቢ ቅጥዒ ዋጋ መሊኡ ዘቅርብ ተቀባልነት የብሉን
- እቲ ጨረታ ጥቅምቲ 18 /2008 ሰዓት 5 ፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 5 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 415 ኩሉም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
- ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
- ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344409923 ምድዋል ይከኣል እዩ