ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ወረዳ እንደርታ

1 ስፔስፊኬሽን ዶዘር 305 ጉልበት ፈረስ ማለት ሆርስ ፓወር ልዕሊኡን ዝኮነን ናይ ኮንስትራክሽን ማሽም ማሽነሪ መካረይ ቦታ ኬላ ዓራፋይ ጣብያ ለምለም ወይ ላሕማ ምምሕዳር ንውሓት 7.2 ኪሎሜትር መዐቀኒ ብሰዓት በዝሒ 1

1 ተወዳደርቲ ዝተሓደሰ ፍቃድ መካረይ ኮንስትራክሽን ማሽነሪ ፣ ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ናይ ወርሒ መጋቢት ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ዘለዎም፣ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎምን፣ ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ፤

2 እዚ ግልፂ ጨረታ እዚ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ክሳብ 14/09/2011ዓ/ም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣታዊ ምስኮነ ኣብቲ መወዳእታ ዕለት 14/09/2011ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡00 ይክፈት፡፡

3 እዚ ግልፂ ጨረታ እዚ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግልን የገድድን እዩ፡፡

4 እቲ ንብረት ማለት ኣቅሓ በቲ ዝተጠቀሰ ዝርዝር መዐቀኒ መሰረት ክከውን ይግባእ፡፡

5 እቲ ቤት ፅሕፈት ዘዘቀመጦ ረቃሕታት ንዘየማልኡ መቅረብቲ ትካላት ካብቲ ውድድር ወፃኢ ምዃኖም ኣፀቢቁ የተሓሳስብ፡፡

6 ኣድራሻ ወረዳ እንደርታ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጋዓዝያን እዩ፡፡

7 እዚ ጨረታ ከ/ህ/ዲዛይንን 20 ሚኢታዊ ናይ ምውሳክን ምቅናስን መሰል ሕሉው ኮይኑ ብተወሳኪ እውን ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0344-420917 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡