ሆስፒታል ዉቅሮ

1 ነዚ ዝምልከት ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድን ንግዲ ስራሕ መረዳእታ ዘቅርብ፤

2 ቫት ተመዝጋቢ ምዃኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤ናይ ወርሒ መጋቢት ሒሳብ ዘቅርብሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ብቢሮ ኤጀንሲ ልምዓት እቶት ናይ ግብሪ ከፋልቲ መለለይ ካርድ ቲን ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቅርቡን፤

4 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ዘቅርብ፤

5 ናይ ጨረታ መከበሪ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርተፊኬት /ስፒኦ/ ወይ ብጥረ ገንዘብ 10000.00 ከትሕዝ ዝክእል፤

6 ተጫረቲ እዚ ምልክታ ግልፂ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 07/09/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 21/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ሰዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ዘይምለስ ብር 50.00 ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይክእሉ።

7 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ነፀላን ጠቅላላ ዋጋን ምስ ቫቱ ዊዝ ሆልዲንግ ሓዊሶም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ኣተዊ ይገብሩ።

8 ጨረታ ሳንዱቅ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ዉቅሮ ሆስፒታል ደ/ከ/ስ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 01 እዩ፡፡

9 እቲ ጨረታ ዕለት 21/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅደሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ዝክፈት ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም እንተተረኪቦም ይምረፅ።

10 ተጫረትቲ ካብቲ ዝቀረበ ሰፔስፊኬሽን ሳምፕልን ወፃኢ ምምላእ ዘይከኣል ምዃኑ ፈሊጦም ክወዳደሩ ዝክእሉ፤

11 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ዝተቀመጡ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይኑሎም መብርሂ (መማሓየሺ) እንተሃልዩዎም ናይ ጨረታ መክፈቲ ዕለት ቅድሚ ምብፅሑ ቅድሚ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብፅሑፍ ናብ ቤት ፅሕፈትና ከቅርብ ይክእል፤

12 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዝመልእዎ ዋጋ ብቅርሺ ክኮን ኣለዎ፡፡

13 ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ኣቅሓ ማለት ጀነሬተር ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት መፅዓንን መራገፍን ናብ ሆስፒታል እሰቶር ኣታዊ ጌሮም ሒሳቦም ክዉስዱ ዝክእሉ፤

14 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ኣቅሓ ጀነሬተር ዉዕሊ ብምእሳር 10% ናይቲ ጠቅላላ ዋጋ ዉዕሊ መኸብሪ ብዝተረጋገፀ ባንኪ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዝብ ክትሕዙ ግዴታ አለዎም።

15 ሰዓራይ ጨረታ ክሳብ 24/09/2011ዓ/ም ርክክብ ፈፂሙ ሒሳቡ ክወስድ ዝክእል ምዃኑ ፈሊጡ ይወዳደር፡፡

16 ድሕሪ 24/09/2011ዓ/ም ንዝቀርብ ተጫራታይ ብምክንያት ናይ ዓመት በጀት መዕፀዊ ምዃኑ እቲ ጀነሬተር ዘይንቅበል ምዃና ፈሊጡ ክወዳደር ዝክእል ጥራይ ይጫረት፡፡

17 ብዝ/የ መንገዲ እቲ ጨረታ ከዛብዕ ዝፈተነ ተጫራቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ወይ  ሆስፒታልና ካብ ጨረታ ወፃኢ ይገብር፡፡

18 ተጫራቲ ድሕሪ ሳፁን ጨረታ ምክፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን፡፡

19 ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ሽምን ፊርማን ማህተምን ክገብርሉ ኣለዎም፡፡

20 ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ክህሉ የብሉን፡፡

21 ተጫረቲ ኣብ ዘቅርበዎ ሰነድ ነንበይኑ ዓሺጎም ዋናን ቅዳሕን ኢሎም ክፅሕፍሉ ይግባእ፡፡

22 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-430057 ደዊልካ ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል፡፡