ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ናይ ግብሪ ከፈልቲ ቑፅሪ ቲን ምምዝጋበኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

3 ቫት ምምዝጋብኩምን ናይ ወርሒ መጋቢት/ሚያዝያ 2011ዓ/ም ወርሓዊ ድክለረሽን ዝገበርኽሙሉ መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

4 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእሉ፤

4 መኽበሪ ጨረታ  ብር 10,000 ሽሕ ቅርሺ ስፒኦ/CPO/ ክተትሕዙ እትክእሉ::

6 ናይ ጨረታ ሰነድኩም ብዝተአሸገ ፖስታ ሓደ ኦርጅናል ሓደ ቕዳሕን ኮይኑ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 አብ ናይ ቢሮ ሰዓት ምእታዉ ትኽእሉ::

7 እቲ ጨረታ ካብ 01/09/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ አብ አየር ዝፀንሕ እንትኸዉን 16/09/2011 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:00 ይኽፈት::

8 መሸነፊ ትካል ኣብ ዝተውሃቦ መዓልቲ ዘቅርብን ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ከቅርብ ዝክእል፤ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ዘየቅረበ ተወዳዳሪ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሓወሰ ርዱእ ተገይሩ ይውሰድ፡

9 ዝሰዓረ ኣካል ውዕሊ ኣሲሩ እቲ ንብረት ድማ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልቲ ከቅርብ ዝክእል፤

10 ዝተዳለወ ጨረታ ሰነድ ካብ ከይዲ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 ዘይምለስ ብር 50.00 ብክፋል ምዉሳድ ትኽእሉ::

11 20 ሚኢአታዊ ናይ ምውሳክ ምቅናስ መሰል ኣለዎ፡፡

11 ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

12 ንተወሳኪ ብመምርሒ ስርዓት ዕደጋ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/2007 መምርሒ ቁፅሪ 04 /2007 ተግባራዊ ይከውን፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክ/ ትግራይ ስ.ቁ 0344-404715 ምድዋል ይከአል::