ቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ

1 ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ 2011ዓ/ም ዘለኩም ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር መለለይ ቁፅሪን ከፋላይ ግብሪ ዘለዎም፣ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ወረቀት ምስክር ዘለዎምን፣ ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ወረቀት ምስክር ዘቅርብን፣

2 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚርኩም ምውሳድ ትክእሉ፤

3 መከበሪ ጨረታ ንስራሕቲ ሕትመትን ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስን 4000.00 ሽሕ ቅርሺ ንኣቅሑት ቢሮ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ብሲፒኦ ክተትሕዙ ትክእሉ፤

4 ሰዓራይ ጨረታ ንዝስዓሮ ንብረት ናይ ባዕሎ መጓዓዝያ ኣብ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ ብዝኣሰሮ መሰረት ኣተዊ ክገብር ዝክእል፤

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ሓደ ዋና ምስ ክልተ ቅዳሕ ነንበይኑ ብምዕሻግ ከቅርብ ዝክእል፤

6 እዚ ጨረታ 12/09/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 9፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡10 ኣብ ነባር ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ ኣብ ክ/ምምሕዳር ዓይደር 03 ዝርከብ ይክፈት፡፡

7 እቲ ቢሮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ፡፡

8 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ተሃልዩዎ ተቀባልነት የብሉን፡፡

9 መከፈቲ ጨረታ ኣብ በዓል ኮይኑ ኣብ ዝቅፅል መዓልቲ ይከውን፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0344-403656 ምድዋል ይከኣል፡፡