ማሕበር መቐለ ህንፃ መሳርሒ ዕደጋ ማእኸል

ተጫረቲ ኣብዚ ንምስታፍ እዞም ዝስዕቡ ዝተገለፁ ረቋሕታት ከማልኡ ኣለዎም።

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ንገዲ ፍቃድ ስራሕ፣ ናይ ኮንስትራክሽን ስራሕ ፍቃድ፣ ናይ ኣቅራቢነት ሰርቲፊኬት፣ ናይ ቫት ምዝገባ ወረቀት ምስክር፣ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቫት ዲክሌሬሺን፣ ቲን ምዝገባ መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

2 ናይ ጨረታ ውሕስና ብኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንኪ ወይ ዝተፈቀደሎም ሕጋዊ ባንክታት ዝውሃቡ ኣብ ኩነታተ ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ወይ ናይ ገንዘብ ክፍሊት መአዘዚ ሲፒኦ ብር 500000.00 ( ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕ) ከቅርብ ኣለዎ።

3 ሓደ ተጫራቲ ክጫረት ዝክእል ሓደ ሎት ጥራሕ እዩ፡፡

4 መዐቐንታት ዘማልዙ ኩሎም ተጫረቲ እዚ ምልክታ ጨረታ ብመራከቢ ሓፋሽ ካብ ዝወፀኣሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 15 መዓልቲ ተከታታሊ መዓልታት ውሽጢ ማለት ካብ ዕለት 28/08/2011-12/09/2011ዓ/ም ዘይምለስ ብር 500.00 /ሓሙሽተ ሚኢቲ ብር/ ብምክፋለ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር መቐለ ህንፃ መሳርሒ ዕዳጋ ማእከል ቀዳማይ ወያነ ዕዳጋ ማእከል 2ይ ደብሪ ቁፅሪ 211 መ/D ምግዛእ ይክእሉ፡

5 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይደማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ዕለት 12/09//2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 9፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 10፡00 ኣብ ቤት ፅሕፈት መሕበር መቀለ ህንፃ መሳረሒ ዕዳጋ ማእኸል ቀዳማይ ወያነ ህንፃ ብሎክ መ/D ቁፅሪ 211 ክኽፈት እዩ።

6 ተጫረቲ ፕሮጀክት ዘለዎ ቦታ ብኣካል ምጉብናይ ይምከር ስለዚ ናብ ቤት ፅሕፈት ብምምፃእ ብናይ ባዕሎም ወፃኢ መጎብነይ በዓል ሞያ ምውሳድ ይክእሉ፤

7 እዚ ማሕበር ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

7 ተወሳኪ ሓበሬታ ናብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር መቐለ ህንፃ መሳረሒ ዕደጋ ማእከል ቀዳማይ ወያነ ህንፃ ብሎክ መ/D 2 ፎቅ ቁፅሪ ብኣካል ብምቅራብ ወይ ብስ.ቁፅሪ 0914-701138/ 0914-709700 ምድዋል ይከኣል።