ዓዲግራት ጀነራል ሆስፒታል

1 ናይቲ ዝወዳደርሉ ዘፈር ንግዲ ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ኣብ እዋን ጨረታ ዝክፈተሉ ኦርጅናል ሐደ ኮፒን ዘቅርብ

2 ብንግዲ ስራሕ ዝተሰማረየ ምካኑ ዝተዉሃቦ መፍለዩ ቁፅሪ ኣብ እዋን ጨረታ ዝክፈተሉ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ዘቅርብ

3 ኣብ ናይ መንግስቲ ግዝኢት ንምስታፍን ዝተዉሃቦ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ መቅረብቲ ካርዲ /ሰርተፊኬት ጨረታ ኣብ ዝከፈተሉ እዋን ሐደ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

5 ናይቲ ዝወዳደረሉ ንግዲ ዘርፊ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ክከዉን ከም ዘለዎን ኣብ እዋን ጨረታ ዝክፈተሉ ኦርጅናል ሐደ ኮፒን ዘቅርብ

6 ኣብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊይዎ ናይ በዓል ዋና ናይ መረጋገፂ ፌርማ ከቅመጠሉ አለዎም እነተዘይሃሊዩዎ እቲ ኣይተም/ ንብረት ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን

7 መኸበሪ ጨረታ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ/ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል፤

8 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት እቲ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓዲግራት ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምም ንብረትን ብአካል ቀሪቡ ዉዕሊ ይኣስር

9 ከይዲ እቲ ጨረታ ቅሬታ እነተሃልይዎም ጨረታ ዉሳነ ካብ ዝረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 3 ተከታተልቲ መዓልቲ ጥራሕ ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ቅሬትኡ ብፅሑፍ ከቅርብ አለዎ

10 ጨረታ ሰነድ መግዝኢ 50 ብምክፋል ብምዉሳድ ካብ ዕለት 25/08/2011 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 09/09/2011 ካብ ዓዲግራት ጀነራል ሆስፒታል ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን ጨረታ ሰነድ ወሲድኩም ዋጋ ብትክክል መሊኦም ንዑኡ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ኦርጅናልን ኮፒን ብፖስታ ዓሺጎም ኣብ ዓዲግራት ጀነራል ሆስፒታል ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ከእትዉ አለዎም፡

11 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ 10% ዉዕሊ መኸበሪ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብስፒኦ ክትሕዝ ዝክእል ናይቲ ዝሰዓሮ ንብረት ናይ መጓዓዝያ ይኹን ናይ መፅዓኒ መራገፊን ወፃኢ ባዕሉ ሸፊኑ ብኣካል ኣብ ዘለዎ ፅሬቱ ዝተረጋገፀ ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓዲግራት ከቅርብ ኣለዎ።

12 እቲ ጨረታ 09/09/2011 ዓ/ም ዓት 8:15 ተዓሺጉ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓዲግራት ከ/ስ/ፋይ/ዕ/ንብ/ምምሕዳር ይክፈት፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-452201 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።