ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ አድያቦ

1 ናይ 2011 ዓ/ም ግብሪ ዝከፈለ ፤

2 ናይ 2011 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰ፤ ሊብሬ ማለት ዋንነት ከቅርብ ዝክእል፤

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ መጋቢት 2011 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

4 መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ከቅርብ ዝክእልን ከምእዉን ናይ ዝተሐደሰ መረዳእታ መቅረባይ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ሰነድ ጨረታ ካብ 22/08/2011 ዓም ክሳብ 06/09/2011 ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ዘይመለስ 60 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ኣዲያቦ ክትወስዱ ትክእሉ ፡፡

6 ኣብ መንግስታዊ ጨረታ ዝተኣገደ ዝኮነ ይኩን ትካል ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይፍቀድን፤

7 ከይዲ ጨረታ ብዘይአግባብ ንመዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሕትትን ጨረታ ከይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዘስዕብ ስጎምቲ ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ ፡፡

8 እቲ ሰነድ ሽም: ኣድራሻ : ፊርማን ማህተምን ክዓርፎ አለዎ

9 እዚ ሰነድ እንትምልኣ ብቲ ዝቀረበ ዝርዝር ረቆሒታት መሰረት ክምላእ አለዎ ናይ ባዕልካ ዝርዝር ረቆሒታት ምእታዉ ኣይፍቀድን፤

10 ግልፂ ኣይኮነን አሉ ምስ ዝኣምን ድማ ብኣካል ቀሪቡ ክሐትት ይግባእ፡፡

11 መከበሪ ጨረታ ንነብስከወፍ 6000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዝልቀቀሉ ሰዓራይ ዉዕሊ ምስ ኣሰረ ይከዉን፤

12 ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣስረ ከአሎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕል መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል፤

13 ናይ ጨረታ 07/09/2011 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ይክፈት፡፡

14 ጨረታ ሰዓራይ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ፡፡

15 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ን 25 መዓልቲ ይከዉን፡፡

16 ጠቅላላ ወፃኢ ብናይ ሰዓራይ ዝሽፈን ይከውን፡፡ ንኣብነት ነዳዲ፣ኣበል በዓል ሞያ ኦፕሬተር፣ መምፅእን መምለስን ሎቤት ፣ ምብልሻይ ክራይ ዶዘር ማሽን D HR Cutter Pla ዝዓይነታ እንተጋጥም ማለት እዩ፡፡

17 ዝሰዓሮ ንብረት 230 ሰዓታት ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል፤

18 እቲ ጨረታ ዝጀመረሉ ቦታ ካብ እንዳባሰላማ ፀረጋ ዝጀመረሉ ቦታ ዓዲሚለን ብርሕቀት 12 ኪሎሜትር ወይ እቲ ዝፅረግ ድማ ንውሓቱ 9 ኪሎሜትር ቆረፃን ፀረጋን ዝስራሕ እዩ፡፡

19 እተ ቤት ፅሕፈት ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይዂን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-320094