ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ TIN ቑፅሪ ሰርተፊኬት ሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

3  ንተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ሐምለ 2008 ዓ/ም VAT ድክላሬሽ ንሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል:;

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰን ምስኽር ወረቐት ሓደ ኣርጅናልን ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ንክልቲኡ ምድብ ኣብ ዉሽጢ10 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ንብረት ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ይግበእ::

6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንተ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ::

7 ተጫረቲንዝተዳለወዝርዝርመምረሒጨረታንሰነድነጨረታን ምድብ- 1 /LOT -1/  ዘይምለስ ብር 40. 00 /ኣርብዓ ብር/ ጥራሕ እናኸፈለ ካብ ቢሮና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 317  ካብ  28 /12[u1]  /2008 ዓ/ም ክሳብ  12/ 1 /2008 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል::

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ብር  3000.00 /ሰለስተሽሕብር / ጥራሕ ብሽም ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ  /Bureau of Justice/ ብ  CPO ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ዉይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል::

9  እቲ ጨረታ ዕለት  12 /1 /2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት  8:30 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት  9:00  ቅድሚ ሰዓት ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት::

10 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ  20 %  ክቅንስ ክዉስክ ይክእል እዩ::

12  ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸዉን::

13 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0344408714 ደዊልካም ሕታት ይከኣል::

 

 

 

 

 

 


 [u1]