ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ኣይቲ ፣ኤለክትሪክ ፣ህንፃን ብረታብረትን ፣ ናይ ምረቃ ጋዉንን ካልኦት ኣቁሑ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ እዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ክትሳተፎ ትክእሉ
መምርሒ ተወዳደርቲ /ተጫረቲ
-
ናይ 2008 ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ በቲ ዘርፊ ዘለኩም
-
ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዪ ቁፅሪ ዝተመዝገብኩምሉ TIN ሰርትፍኬት ክተቅርቡ እትክእሉን
-
ንተወሳኪ እሴት ታክስ /VAT ዝተመዝገብኩምን ፣ VAT ምዝገባ ሰርትፍኬት ናይ ወርሒ ነሓሰ VAT ዲክላረሬሽን ከትቅርቡ ትክእሉ
-
ኣብ 2007 /2008 ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ክተቅርቡ እትክእሉ
-
ጨረታ ሰዓርቲ እንተኮይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 ተከታተልቲ መዓልቲ ብነናይ በዓልኩም መጋዕዝያ ናብ ኮሌጅና ክተቅርቡ እትክእሉ
-
ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ምድብ መወዳደሪ (LOT) ቴክኒካል መረዳእታ ቅዳሕ ክተትሕዙ ዝክእሉ
-
መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ናይ ዝምልከቶ በዓል ዋና ፊርማን ዝዓረፎ ክከዉን ኣለዎ
-
ተጫረቲ ንሕድሕድ ዝወዳደርዎ ምድብ መወዳደሪ (LOT) ዘይምለስ ብር 50 እናከፈሉ ካበ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን መቀለ ካብ ዕለት 26 /01 /2008 ዓ ም ክሳብ 10 /02 /2008 ዓ ም ሰዓት 3 ፡00 እናመፁ ሰነድ ጨረታ ገዚኦም ክወስዱ ዝክእሉ
-
ተጫረቲ ንዝወዳድርዎ ምድብ መወዳደሪ (LOT)
-
ንምድብ መወዳደሪ ሓደ/ዜሮ ሓደን ሓደ/ ዜሮ ክልተን (lot 1 /01/ &1/02 ) ብር 15,000 (ዓሰርቲ ሓሙሽተ ሺሕ)
-
ንምድብ መወዳደሪ ክልተ (lot 02) ብር 5000 (ሓሙሽተ ሺሕ)
-
ንምድብ መወዳደሪ ሰለስተ (lot 03) ብር 3000 ( ሰለስተ ሺሕ)
-
ንምድብ መወዳደሪ ኣርባዕተ /ዜሮ ሓደን ኣርባዕተ /ዜሮ ክልተን ( lot 4/01 &4/02) ብር 5000 (ሓሙሽተ ሺሕ )
-
ንምድብ መወዳደሪ ሓሙሽተ (lot 03) ብር 3000 (ሰለስተ ሺሕ)
ናይ ጨረታ ምክበሪ ብር ብ CPO / ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዙ ዝክእሉ
-
ካብ ጠቅላላ ዝሰዓርዎ 2% ዊዝ ሆልዲንግ ታክስ ክከፍሉ ዝክእሉ
-
እቲ ጨረታ ዕለት 11 /02 /2008 ዓ ም ልክዕ ሰዓት 3 ፡30 ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓተ 4፡ 00 ኣብ ቢሮ ቴ ∙ሙ∙ ት ∙ስ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋየናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተፃረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት
ተወዳደርቲ ብዘይምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጋገልን
-
ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
-
እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ኮኬጅና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 % ክቅንስ ወይንከዓ ክዉስክ ይክእል እዩ
-
ተወዳደርቲ እተቅርብዎ ንብረት ኣታዊ ዝከዉን ብቴክኒክ /ፅሬት ኮሚቴ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ይከዉን
-
ኣብ እዋን መክፈቲ ጨረታ ተጫረቲ ኦርጂናል ዶክሜንት ሒዞም ክርከቡ ኣለዎም
-
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344480510 /11 ወይ ድማ ብሞባይል ቁ 0912691561 /0932919420 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ