ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲ ሃገራይ

1 ተጫረቲ ግብሪ መንግስቲ 2011ዓ/ም ዝከፈሉ ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ንናይ ማይ ቦጥ መኪና ዘለዎም፤

2 ተጫረቲ ኣብ ዝርዝር መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእሉ፤

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለዎም ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ፤

4 ናይ ወርሒ ለካቲት 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራርድሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

5 ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ተመዝገብቲ ዝኮኑ ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ፤

6 ናይ ቦጥ መኪና 12m3 ልዕሊኡን ትሕዝ ምዃናን ሊብሬ ናይ መኪና ዘረጋግፅ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

7 እቲ ማይ ዝምልኦ መበገሲ ቦታ ንከተማ ዓዲ ሃገራይ 22 ኪሎ ሜትር ብምጉዓዝ ኣብቲ ከተማ ውሽጢ ድማ በቢልምዓት ገጅልኡ እናዘረ ከከፋፍል ዝክእል፤

8 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ እናከፈሉ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲ ሃገራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን ክወስዱ ይክእሉ፤

9 እዚ ጨረታ 15/08/2011ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 4፡30 ናይ ንግሆ ተጫራቲ ወይ ሕጋዊ ወከሊላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፡፡

10 ተጫረቲ ብመከበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ /ሲፒኦ/ 15000.00ሽሕ ቅርሺ ብሽም ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲ ሃገራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን ከትሕዙ ኣለዎም፤

11 ተጫረቲ ሙሉእ ሽሞምን ኣድራሻኦምን ኣብ ዝተዳለወ መልሲ መውሃቢ ቅጥዒ ክፅሕፉ ይግባእ፡፡

12 እቲ ቤት ዕዮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0343-240011/0914-764013 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡