ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ መረብ ለኸ

1 ናይ 2010 ዓ/ም ግብሪ ዝከፈለን ናይ 2011 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን፤

2 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ናይ 2011 ዘለዎ፣ ናይ ነጋዳይ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ቲን ናምበር ዘለዎ፣ እዞም ሰነዳት ኣብ ፖስታ ዓሺጉ ዘቅርብን፤

3 ሰነድ ጨረታ ካብ ወረዳ መረብ ለከ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 07/08/2011ዓ/ም ክሳብ 21/08/2011ዓ/ም ምዉሳድ ይከኣል።

4 ቅድሚ ምክፋቱ 5000.00 መክበሪ ጨረታ ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ ድማ ብዝተፈለጠ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎ።

5 ሰዓራይ ውዕሊ ኣብ ውሽጢ 5 ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ እቲ ንበረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈትና ኣታዊ ክገብር ኣለዎ።

6 ውዕሊ መከበሪ 10 ሚኢታዊ ከትሕዝ ኣለዎ፡

7 እቲ ጨረታ 22/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ መረብ ለኸ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም ኬዝ ቲም ይክፈት።

8 እቲ ጨረታ ዘፀንሓሉ ግዜ ን25 መዓልቲ ይከውን፡፡

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ/ቁ 0345-550125/550672 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።