ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲግራት

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ

  • ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም
  • ግብረ 2007 ዓ ም ዝከፈልኩም
  • መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም
  • ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም
  • ናይ መቅረባይነት ደፍተር ዘለኩም ክትጫረቱ ትክእሉ
  • መክበሪ ጨረታ ንምግብና 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይንድማ ብባንኪ ሕጋዉነቱ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ኣቀዲምኩም ክተትሕዙ እትክእሉ
  • ናይ ምግብና ፣ናይ ተሃነፅቲ ሓፂን መፂን ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ 21 መስከረም 2008 ዓ ም ጀሚሩ ክሳብ 12 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ኮይኑ ጨረታ 12 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ሰዓት 8 ፡20 ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ባዕሎም ወይንም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ በቲ ዕለት እሱ ሰዓት 8 ፡40 ይክፈት
  • ንመሳርሒ ፅሕፈት፣ መሳርሒህንፃን ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ 21 መስከረም 2008 ዓ ም ጀሚሩ ክሳበ 16 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ኮይኑ ጨረታ 16 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ሰዓት 8 ፡20 ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት እሱ ሰዓት 8 ፡40 ድሕሪ ሰዓት ይክፈት
  • ሰነድ ጨረታ ካብ ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲ ግራት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 11 ዘይምለስ 50 ቅርሺ ናከፈልኩም ክትወስዱ ትክእሉ
  • ሰነድ ጨረታ ሽም፣ ክታም፣ ማሕተምን ፣ንፁር ኣድራሻኩምን ብምፅሓፍ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብቲ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክተእትዉ ትክእሉ

እቲ ቤት ዕዮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344450953 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።