አካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ

1 ፕሮሲ ዲንግ

2 ፃውዒት መፅናዕቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ፤

1 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ፣ቲን ናምበር፣ ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑ፤

2 ወርሓዊ ዲክላርሼን ዘቕርብን ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝጋቢን፤

3 ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብዘውፅኦ መምርሒ ኣብ ዝርዝር መቕርብቲ ዝተዘመገቡ ምዃኖም ዝተሓደሰ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከቕርቡ ዝኽእሉ፤

4 ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ 3000.00 ( ሰለስተ ሽሕ) ብር ብሲፒኦ ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ።

5 ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50.00 (ዒስራ ቕርሺ )ካብ ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክ/ትግራይ ዳይሬክቶራት ዕደጋን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 0-06 ካብ ዕለት 24/07/2011 ዓ/ም -08/08/2011ዓ/ም ኣብ ዘሎ ምግዛእ ይከኣል።

6 እቲ ጨረታ 08/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:30 ይኸፈት።

7 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይኖም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰርኹምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 20 ተከታታሊ መዓልቲ ብፅሬትን መጠንን ብናይ ባዕልኩም መጋዓዝያ ናብ ናይ ኣካዳሚና ስቶር ክተቅርቡ ትክእሉ ምዃንኩም ነፍልጥ።

8 ኣካዳሚና ካብ ዝዕድጎም ኣቅሑት ከም ኣድላይነቶም 20 ሚኢታዊ ምውሳክ ወይ ምቅናስ ይክእል እዩ፡፡

9 ኣካዳሚና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0344-401989 ምድዋል ይከኣል።